ቡፁእ ኣቡነ ተስፋስላሴ መድህን ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከም ዝበልዎ ዉዕሊ ስምምዕነት ሰላም ደቡብ ኣፍሪካን ኬንያን ካብ ዝኽተም ልዕሊ ሽዱሸተ ኣዋርሕ ዋላ እንተቁፀረ ብዘይካ ዉሱን ምምሕያሻትን ጅማሮታትን ኣብ ተመዛባላይ ህዝቢ ግና ክብደት ፀገሙ ብዝግባእ ተረዲእኻ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ካብ ማሕበራዊ ፀገም ዘናግፍ ስራሕ ኣይተሰርሐን ኢሎም ።
ብሚልዮናት ዝቁፀር ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ ተፀባያይ ሓገዝ ክኸዉን ኣይግባእን ዝበሉ ኣቡነ ተስፋ ስላሴ መድህን እቲ ክወሃብ ዝፀንሐ ረዲኤት እዉን ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ተቋሪፁ ስለ ዘሎ ኩሉ ህዝብና ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ይርከብ ክብሉ ገሊፆም ።
ስለ ዝኾነ ፈለማ ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ክረክብ ቀፂሉ ድማ ክራማት ከይኣተወ እቲ ተመዛባላይ ናብ መረበቱ ክምለስ ኢና ንፅዉዕ ይብሉ ።
ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ፍትሒን እዩ ዝደሊ ሰላም ግና ፍትሒ ምስ ዝጎድል ኣይረጋገፅን ዝበሉ ኣቡነ ተስፋስላሴ መድህን ስለ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ዘርኢ ናይ መፅናት ወራር ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመርን ስርዓት ተሓታትነት ክረጋገፅን ኣገንዚቦም።
ኣብ መወዳእታ ኣቡነ ተሰፋስላሴ መድህን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኩሉ ትግራዋይ ብሓደ መንፈስ ንድሕንነት ዓዱን ህዝቡን ክሰርሕ ዘተሓሳሰቡ ኮይኖም ፖለቲከኛታት ድማ ኩሉ ምንቅስቃሶም ብመንፀር ረብሓ ህዝቢ ቃንዮም ኣፈላላዮም ከም ፀጋ ብምዉሳድ ክንቀሳቀሱ ይግባእ ኢሎም ።
