ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ እዚ ዝበሉ፣ ትእምት ንስድራ ስውኣት ክህቦ ዝፀንሐ ድጉማ ተቋሪፁ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ዳግም ንምጅማር ዓሊሙ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዋዕላ እዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ንስድራ ስውኣት ዘድሊ ሓገዝ ኩሉ ከምዝገብር ዝገለፁ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ፣ ትግራይ ብቐፃሊ መስዋእቲ ኣሽሓት መላምል ደቓ ትኸፍለሉ ኩነታት ብምትራፍ መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይ ንምርግጋፅ ከምዝስራሕ ገሊፆም።
ካብ ገፅ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዝተወሰደ
29 ሓምለ 2015 ዓ/ም
