Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብመሰረት ዉሳነ ማእኸላይ ኮሚቴ ዉክልና ዉድብ ህወሓት ዘለዎም ኣመራርሓ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዞባታትን ብኻልእ ክትክኡ ከም ዝተወሰነ ብኣቦ መንበር ዶ.ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ኣፍሊጡ።

ንፁር ተልእኾን ኣወዳድባን ዘለዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝተጣየሸሉ ዕላማ ኸም ዝወፀ : ኣብ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳርን ዞባታትን ምትዕርራይ ኣመራርሓ ንምግባር ኣመልኺቱ ኣብ ዝዘርገሖ መብርሂ ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳርን ዞባታትን ምትዕርራይ ኣመራርሓ ክግበር እዉን ንዘኻየዶ ኣኼባ ስዒቡ ማእኸላይ ኮሚቴ ዉሳነ ምሕላፉ ኣመልኺቱ።

በዚ መሰረት ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ሓዊሱ : ኣመራርሓ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ : ኣመራርሓ ዞባታት ከምኡ እዉን ኣመራርሓ ኤጀንሲታትን ኮምሽናትን ካብ ዝሓዝዎ ሓላፍነት ተላዒሎም ብኻልእ ክትኽኡ ከም ዝተወሰነ እዉን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብኣቦ መንበር ዉድብ ህወሓት ዶር ደብረፅዮን ገብረሚኻኤል ዝምራሕ ህወሓት ኣብ ዘሳለጦ ጉባኤ፣ ንም/ ኣቦመንበር ህወሓት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ፣ ማእኸላይ ቁፅፅር ኾምሽንን ተተካእቲ ማእኸላይ ኮሚቴን ነቲ ጉባኤ መስርሕ ዉድብ ዝጠሓሰን ዘይሕጋዉን እዩ ብምባል ዓርሶም ምግላሎም ይፍለጥ።

ብምክትል ኣቦመንበር ህወሓት ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ዝምራሕ ህወሓት ብግድኡ ንመድረክ ምድሓን ዉድብን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዘኻየዶም መድረኻት ሕጋዊ ኣፍልጦ ዉድብ ህወሓት ንምምላስ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ፖነል ሕብረት ኣፍሪቃን ከምዝሰርሕ ምግላፁ ይዝከር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *