Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ተምሃሮ ትግራይ ካብ መአዲ ትምህርቲ ኣይተርፉን

አብ አዲስ አበባን ዝተፈላለዩ ከባብታት ወፃኢ ዓድን ዝነብሩ ግዱሳት ተጋሩ ብዝልአኽዎ ልዕሊ 240 ሽሕ ቅርሺ ዝተዓደጉ ናውቲ ትምህርቲ አብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓርነት ንዝርከቡ ተምሃሮ ብሓገዝ ተዋሂቡ።

አብቲ እዋን ዝተረኸቡ ተምሃሮን ወለድን በቶም ግዱሳት ወገናት ዝተገበረ ሓገዝ ንኢዶም።

ተምሃሮ ትግራይ ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መአዲ ትምህርቲ ከይተርፉ ርብርብ ኩሉ ሕብረተሰብ ይጠልብ ክብሉ ድማ ነቲ ሓገዝ ሒዞም ካብ አዲስ አበባ ዝመፁ ተወካሊ እቶም ግዱስት አይተ አብርሃም ማርዮ ሓቢሮም።

ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓርነት አብ ዞባ ደቡብ ምብራቅ ወረዳ ሳሕሪቲ ጣብያ ወንበረት ዓደቀዓላ ቁሸት ማይወይኒ እትርከብ ኮይና ብሰንኪ ወረርቲ ከቢድ ዕንወትን ጉሕለትን በፂሕዋ እዩ።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *