ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ልኡኽ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ከባቢ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ተንቀሳቒሱ ከምዝነበረን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ክዕዘብ ከምዝፈተንን ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ሓላፊ ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት- ኢትዮጵያ [ኦቻ -ኢትዮጵያ]፡ ሚሸል ሰዓድ፡ እቲ ልኡኽ ሓደሽቲ ዘይተበጻሕቲ ከባብታት ከምዝረአየን ‘ኣዝዩ ዕዉት ዑደት’ ከምዝገበረን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ግዝያዊ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ፡ ተኽላይ ገብረመድህን ብወገኑ፡ እቲ ብምክትል ሓላፊ ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት- ኢትዮጵያ [ኦቻ -ኢትዮጵያ] ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ኣብ ከተማ ሸራሮ፡ ምስ ምምሕዳር እቲ ከባቢን፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከብ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ሰራዊት ኢትዮጵያን ምዝርራቡ ገሊፁ።
እቲ ዕላማ ኣብተን ተበጻሕቲ ዘይኰና ነቝጣታት ዘሎ ህዝብን ሓረስታይን ዝርከበሉ ኵነታት ንምዕዛብ ዝዓለመ ከምዝነበረ ድማ ኣረዲኡ።
ተኽላይ ወሲኹ፡ “ተወከልቲ ውድብ ጥዕና ዓለም’ውን ኣብኡ ስለዝነበሩ፡ ንኣብነት ናይ ሕክምና ኣክሰስ ኣይረኽቡን ዘለዉ ዝብል ንመርኣይ ዝዓለመ እዩ። ሓይልታት ኤርትራ ኣብኡ ስለዘለዉ ሓገዝ ክንገብረሎም ኣይከኣልናን ዝብል፡ ኣካል እቲ ምይይጥ ነይሩ” ክብል ንቢቢሲ የረድእ።
ሓላፊ ኦቻ-ኢትዮጵያ ዝዀነ ሚሸል፡ ብሓፈሻ ድሕሪ ውዕል ፕሮቶርያ ሕዳር 2022፡ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤትን ሓገዝን ኣብ ትግራይ ተመሓይሹ ምህላዉ የረድእ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ኣብ ትግራይ ረድኤት ተሰሪቑ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ብዝብል ጸብጻብ ስለዝበጽሖም፡ ውድብ ምግቢ ዓለምን ዩኤስኣይድን ናብቲ ክልል ረድኤት ከይከይድ ኣጊዶም ይርከቡ።
በዚ ምኽንያት ሞት ይበዝሕ ከምዘሎ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ይጽብጽባ ኣለዋ።
ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ውግእ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ሕዳር 2022፡ ኣብ ፕሮቶርያ ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝፈረሙ ዀይኖም፡ ብኡ መሰረት፡ ሓይልታት ወጻኢን ካብ ሓይልታት ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታት ክልላት ካብ ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጽኡ ዝብል ይርከቦ።

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዝተዋግኡ ኰይኖም፡ ካብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ከምዝወጽኡ ይግለጽ።
እንተዀነ፡ ብምብራቕን [ኢሮብ] ሰሜን ምዕራብ ትግራይን ገለ ከባቢታት ተቘጻጺሮምዎ ከምዝርከቡ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ነበርቲ እተን ከባቢታት ኣብ ሕሱም ጸገም ከምዝርከቡን መራሕቲ ትግራይ ደጋጊሞም ይገልጹ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ “ተቘጻጻርን ተኸታታልን ውዕል ሰላም ጕጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንጥፈታቱ ከይፍጽም ሓይልታት ኤርትራ ከልኪሎም’ዮም” ኢሉ ምኽሳሱ ተሌቪዥን ትግራይ ጸብጺቡ ነይሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ይዅን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ብዝምልከት ዝበልዎ የለን።
