Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብሓይልታት ፅንተት ዝዓነዉን ዝተጉሓሉን ፕሮጀክትታት መስተ ማይ ከተማታት ሸራሮ፣ዓዲ ነብርኢድን ዓዲ ዳዕሮን ተፀጊኖም ዳግም ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም።

ንፅገና እቶም ፕሮጀክትታት ማይ ዓለምለኸ ኮሚቴ መድሕን(IRC) ልዕሊ 8 .4 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ከምዝገበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ፕሮጀክትታት ፅሩይ መስተ ማይ ከተማታት ሸራሮ፣ዓዲ ነብርኢድን ዓዲ ዳዕሮን ብዙሕ ሃፍቲ ወፂኡሎም ዝተሃነፁን ንሕብረተሰብ ዝሐሸ ግልጋሎት ዝህቡ ዝነበሩ ትካላት እዮም።ይኹን ‘ምበር ሓይልታት ፅንተት ብፍላይ ድማ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ንቀንዲ ቀንዲ ናውቲ እቶም ፕሮጀክትታት ጉሒሉ ንዝተረፉ ድማ ኣዕንዩ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ግልጋሎት ወፃእ ገይሩዎም ከይዱ እዩ።

ኣብቲ እዋን ዝተረኸቡ ኣተሓባባሪ ትካል ዓለምለኸ ኮሚቴ መድሕን ኣይተ ደገፍ ጥላሁን፤እቲ ትካል ኣብ ፅገና እቶም ፕሮጀክትታት ማይ ዝገበሮ ተሳትፎ መቐፀልታ ቲ ኣብ ስራሕቲ ጥዕና፣ትምህርትንኸለላ ድሕንነት ህፃናትን ክገብሮ ዝፀንሐ ተሳትፎ ምዃኑ ብምሕባር ኣብዞም ዘፈራት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሃፍቲ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ሞገስ ገ/ሄር ብወገኖም እቲ ትካል ንዝፈፀሞ ሰናይ ተግባር ብምንኣድ እቶም ፕሮጀክትታት ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ይግባእ ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *