Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብሓይሊ ኣመራርሓ ንምልዋጥ ዝግበር ከይዲ ተቐባልነት ከምዘይብሉ፤ ኣብ ልዕሊ መምርሒ ዝሃቡ ኣመራርሓ ተጻርዩ ተሓታትነት ከምዝረጋገጽን ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበርን ተመላኺቱ።

እዚ ዝተገለጸ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ መምርሒ ዝሃቡ ኣመራርሓ ብሕጊ ክሕተቲ ዝጽውዕ ጥርዓን ናብ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝቐረበሉ እዩ።

ወከልቲ ወረዳታት ሰሓርትን ሳምረን ሎሚ ናብ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘስምዕዎ ጥርዓን፤ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ካብ ህዝቢ ክንፀሉ ዝገብር ተግባር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ንክፍፅም ልኡኽ ዝሃቡ ኣመራርሓ ብሕጊ ክሕተቱ ዝጽውዕ ጥርዓን ኣቕሪቦም።

እቶም ወገናት፣ህዝብና ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኮነ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ግቡኡ ፈጺሙ እዩ ብምባል፣ ንቃልስና ዘይምጥን ፀለመ ይኽፈተልና ኣሎ እውን ኢሎም።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፣ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ተጠቒምካ ብሓይሊ ኣመራርሓ ንምልዋጥ ዝግበር ከይዲ ተቐባልነት የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ኣብ ልዕሊ መምርሒ ዝሃቡ ኣመራርሓ ሓይሊ ፀጥታ ተጻርዩ ተሓታትነት ከምዝረጋገጽ እውን ኣመላኺቶም።

ፕረዚደንት ጌታቸው፣ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ፀጥታ ዘለው ውልቀ ኣባላትን ኣመራርሓን ብዝሰርሕዎ ጌጋ ንህዝባዊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብሓፈሻ ዝፍርጅ ኣመለኻኽታ ክእረም ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

መሰሉ ዝሓተተ ኩሉ ባንዳ እናበልካ ምፍራጅ ካብ ውልቀ ሰባት ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምብጽሑ ከምዘሕዘኖም ዝገለጹ እቶም ፕረዚደንት፤ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ህዝባዊ ውግንና እዮ ዘለዎም ብምባል፣ናብ መሬት ወሪድና ነቲ ፍጻመ ክነጻርዮን ተሓታትነት ክነረጋግጽን ኢና ኢሎም።

ካብ ሕጊ ንላዕሊ ዝኮነ ሰብ ከምዘየለ ዘመላኸተ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓሊፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ጀነራል ታደሰ ብወገኑ፣እቱ ፍጻመ ይጻረ ከምዘሎ ብምሕባር ተጻርዩ ተሓታትነት ከምዝረጋገጽን፤ዝተመሓላለፈ ውሳነ እውን ናብ ህዝቢ ከምዝግለጽን ኣመላኺቶም ።

ጀነራል ታደሰ ወረደ ፣ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ህዝባዊ ሓይሊ ምዃኖም ብምሕባር፤ ከጥፍኡ ከለው ደቕኹም ዘጥፍእዎ ጥፍኣት ብምዃኑ ብሓባር ኣብ እንእርመሉ ኣገባብ ኢና ክንዝቲ ዘለና ኢሉም ።

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብዙሕ ፀገማት ተፃዊሮም ከምዝርከቡ ዘመላኸተ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ውሱናት ብዝፈጥርዎ ፀገም ብሓፈሻ ንሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ምፍራጅ ከምዘይግባእ እውን ገሊፆም ።

ዳንኤል ገብረእግዚኣብሄር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *