Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብለገስቲ ትካላት ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ምባሉ ህይወት ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ከምዝኣተወ ተገሊፁ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝተተለመን ዝተፀነዐን መንገዲ ንዘይተደለየ መዓላ ይውዕል ኣሎ ብምባል ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID) ከምኡ እውን ትካል ምግቢ ዓለም (WFP) ዝገብርዎ ዝነበሩ ሓገዝ ነቲ ተፈፂሙ ዝብልዎ ምጥፍፋእ ተፃርዩ ተሓታትነት ክሳብ ዝረጋገፅ ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግዝያውነት ኣብ ኢትዮጵያ ደው ከምዘበሉ ምግላፆም ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ እውን መንግስታት ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ነቲ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ምጥፍፋእ ብሓባር ከፃርዩን ንፈፀምቱ ናብ ሕጊ ቐሪቦም ክሕተቱን ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ በቶም ዓለምለኻውያን ለገስቲ ትካላት ደው ዝበለ ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ህይወት ሚልዮናት ካብ ሓደጋ ዘእተወን ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ዝተወሰነ መቕፃዕቲ እዩ ክብል ገሊፅዎ።

እቲ ሓገዝ ደው ምባሉ ብመዕነዊ ኲናት ኣብ ትግራይ ኣብ ከቢድ ጥምየት ዝርከቡ ሚልዮናት ተጋሩ፣ ከምኡ እውን ብድርቂ ዝተጠቕዑ ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕን ክልል ሶማሊያን ከምዝሃሲ እዩ ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን ኢትዮጵያ ዝገለፀ።

ብትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID) ከምኡ እውን ትካል መግብ ዓለም (WFP) ዝወፀ መግለፂ፤ ንዝተፈፀሙ ጉሕለት ተሓታትነት ምስተረጋገፀን ዳግም ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቐጥታ ሓገዝ ዝደሊ ህዝቢ ተረባሒ ዝገብር መስርሕ ብምድላው ነቲ ሓገዝ ከምዝጅምርዎ ዝገለፁ ኾይኖም መዓዝ ዝብል ግን ንፁር ኣይኮነን።

ሴናተር ጂም ሪስች ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID) ዘቕርቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ጉሕለት ክሕሉ ብዘይምኽኣሉ ክሕተት ኣለዎ ክብሉ ተሰሚዖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፅበዩ ልዕሊ 20ሚልዮን ዜጋታት ከምዘለዉ ፀብፃባት የመላኽቱ።

ትግቲቪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *