ኣብ ጉባኤ መኽፈቲ መደረ ዝገበሩ ፕረዝደንት ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ፣ እዚ ውዳበ ድምፂ መፍረይቲ ዝስመዐሉ ውዳበ እዩ ዝብሉ እንትኾን ፣ ኣብ ዝሓልፉ ዓመታት በቲ ጄኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ውልቀ ትካላት ሰፍ ዘይብል ዕንወት ከምዝበፅሖ ገሊፆም።
ድሕሪ እዙይ ከቢድ መኸተ ብዝተፈጠረ ሃዋህው ሰላም ትግራይ ናብ ንቡር ምምላሰን እናተሰርሐ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ፣ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ንምግሃድ እናሰራሕና ኢና ኢሎም።
ምንቅስቓስ ንግድን ኢንዳስትሪን ትግራይ ንምንቕቓሕ ዝዓለሙ ሃገር ለኸ ባዛርን ኢግዝብሽንን፣ ሃገር ለኸ ምንቅናቓ ኢንድስትሪ ትግራይ ከም ዝተሳለጠ*ውን ኣይተ ኣሸናፊ ገሊጾም።
ኣብ ኢፌድሪ ሜኒሰቴር ኢንዱስትሪ ምኒስተር ዳኤታ ኣይተ ሓሰን መሓመድ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ እንትኾን ፣ መንግስቲ ተራ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ኣገዳሲ ብምኻኑ ትኹረት ሂቡ ይሰርሐሉ ምህላው ሓቢሮም።
ብምኻኑ ድማ ዘር ኢንዳሰተሪ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ናይ ምውደዳር ዓቕሚ ክህልዎ ግድን ይኸውን ኢሎም ኣይተ ሓሰን መሓመድ ።
ሜኒሰቴር ኢንዱሰትሪ መፍረይቲ ትካላት ንምንቕቃሕ ዝዓለመ ምንቅስቃሰ እናወገነ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሓሰን ፣ልምዓት ምሰላጥ ናይ ህልውና ጉዳይ ምኻኑ ብምእማን ዘይተሓለለ ጻዕሪ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ እናሰርሖ ዝርክብ ስራሕ ፅቡቕ ምልዕዓል እናፈጠረ ብምኻኑ ኣይተ ሓሰን መሓመድ ንኢዶም።
ኣብቶም ዝሓፉ ዓመታት በቲ ኩናት ኢንዳስትሪ ትግራይ ዓንየን እየን ዝበሉ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ኣይተ መሓሪ፣ ድሕሪ እቲ ደማዊ ኩናት ብዝተፈጠረ ሃዋህው ሰላም ግን ኢንዳስትሪ ትግራይ ንምንቕቓሕ ዝዓለሙ ሃገር ለኸ ምንቕናቕ ኢንዳስትሪ ትግራይ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።
ሕዚ እውን ዘይተፈትሑ ጸገማት ኣለው ዝበሉ ኣይተ መሓሪ እቶም እቶም ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ምጥንኻር ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ ድማ ይብሉ ኣይተ መሓሪ ብዘይተሳትፎ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ክዓብይ ከምዘይኽእል ገሊፁ
