ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምጥያሽ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤ መንእሰይ መሪሕነቱ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ንሰርሕ ኣለና፣ ኲናት በላዒ መናእሰይ ብምዃኑ ንኲናት እምቢ ክትብሉ ኣለኩም ኢሎም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘድሊ ደገፍ ከምዝገብር ዘመላኸቱ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤ መንእሰይ ልዕሊ ኩሉ ሰላምን ልምዓትን እዩ ዝደሊ ኢሎም።
እቲ ተጣይሹ ዘሎ ቤት ምኽሪ ተጠናኺሩ ክኸይድን ምስ ተመሳሰልቲ ውዳበታት ብምርኻብ ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣመላኺቶም።
ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሐይሽ ሳባጋድስ ብወገኖም ፣ ካብ ዝኾነ ኣካል ወይ ወገን ነጻ ዝኾነ ቤት ምኽሪ ንምምስራት ብምኽኣልና እንኻዕ ደስ በለኹም ኢሎም።
ንቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ብገንዘብን ናውትን ክጠናኸር ምስራሕ ከምዝግባእ ዘመላኸቱ ኣይተ ሐይሽ ስባጋድስ፣ውክልንኡ ንኩሉ መንእሰይ ትግራይ ኮይኑ ክቅጽል ከምዘለዎ ድማ ኣመላኺቶም።
ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ኮይኑ ኣብ ጉባኤ ምስረታ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ዝተመረጸ መንእሰይ ልምዓት ተኽላይ ፣ መንእሰይ ትግራይ ኣጋጢሞምዎ ዘለው ማሕበረ ቁጠባዊ ካልኦትን ፀገማት ንምፍታሕ፣ መሰሉ ንምኽባር፣ ተሳትፍኡ ንምርግጋጽን ከምዝሰርሕ ኣመላኺቱ።
