ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዝለዓለ ምንቅስቓስ ካብ ዘለወን ከተማታት ትግራይ ሓንቲ ዋላኳ እንተኾነት ነታ ከተማ ዝምጥን መንገዲ ኣስፋልት ከምዘይብላን ተጀሚሩ ዘሎ ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ኣብ ዕቤት እታ ከተማ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ ገሊፆም።
ነቲ ህንፀት መንገዲ 334 ሚልዮን ብር በጀት ከም ዝተትሓዘሉ ዝገለፁ ኣካያዲ ስራሕ ቤት መዘጋጃ እታ ከተማ ኣይተ ተኽለወይኒ ቶማስ 4 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትር ንውሓት ከም ዝሽፍን ድማ ወሲኾም ኣረዲኦም።
ህንፅት እቲ መንገዲ ኣስፋልት ብሱር ኮንስትራክሽን ዝካይድ ዝሎ ኾይኑ ተቆፃፃሪ መሃንዲሰ እቲ ፕሮጀክት እንጅነር ዳዊት ሃይሉ እቲ ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ብዝተትሓዘሉ ግዜ ንምፍፃም ምስ ህዝብን ምምሕዳርን ተዋዲዶም እናሰርሑ ከምዘለው ሓቢሮም።
