Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ባይደንን ትራምፕን፡ ኣብ ቅድመ-መረጻ ብምስዓር ዳግም ኣብ መረጻ ኣሜሪካ ክወዳደሩ’ዮም

ኣብ ኣሜሪካ ዕለተ ሰሉስ ‘ሱፐር ቲዩስዴይ’ ትብሃል፤ እዛ ዕለት፡ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ቅድመ-መረጻ እያ።

ሓደ ካብ ተነሓናሕቲ እቲ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መረጻ ኰይኑ ቀሪቡ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብጣቕዒትን ያዕያዕን ንዝተኣከቡ ደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ኣሜሪካ “ናብቲ ሕሉፍ ክብራ ክንመልሳ ኢና” ክብል ተሰሚዑ።

ትራምፕ፡ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝብሃል ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ፡ “እታ እንጽበያ መዓልቲ ቀሪባ እያ” ክብል ተዛሪቡ።

ተነሓናሒኡ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት ዝዀነ ጆ ባይደን ኣብቲ ቅድመ-መረጻ ዘድልዮ እኹል ድምጺ ክረክብ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ማለት፡ ከምቲ ኣብ 2020 ዘጋጠመ፡ ትራምፕን ባይደንን ኣብ መረጻ ኣሜሪካ ፊት ንፊት ዝገጥሙ ተነሓናሕቲ ክዀኑ’ዮም ማለት እዩ።

ክልቲኦም ፖለቲከኛታት እቲ መረጻ ንህላወ እታ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ይዛረቡ።

እቲ መረጻ ግን፡ ከምቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዘጋጠመ ናዕብን ዕግርግን ዘሰነዮ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ክሳብ ሕጂ ዝተኣከቡ ርኢይቶታት ህዝቢ፡ ብርክት ዝበሉ ኣሜሪካውያን ዳግም ካብ ባይደንን ትራምፕን ክመርጹ ኣይደልዩን፤ ግን ክኣ ካልእ ምርጫ ዘለዎም ኣይመስልን።

ክልቲኦም ሰብ ጸጋ ዕድመ ፖለቲከኛታት ቅድሚ እቲ ዓብዪ መረጻ ፍቓድ ዝውክልዎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምርካብ ዘኽእሎም ድምጺ፡ ካብዚ ቅድመ-መረጻ እዮም ክእክቡዎ ዝኽእሉ።

ኣብ ሕሉፍ ዓብዪ ትጽቢት ዝነበሮ ‘ሱፐር-ቲዩስዴይ’ ግን ሎሚ ሃሲሱ’ዩ ዘሎ።

መሓዛ ቢቢሲ ዝዀነ ትካል ሚዲያ ሲቢኤስ ትራምፕ፡ ኣብ ግዝኣታት ኣላባማ፣ ኣርካንሳ፣ ካሊፎርኒያ፣ ኮሎራዶ፣ ሜይን፣ ማሳቹሴትስ፣ ኖርዝ ካሮላይና፣ ኦክላሆማ፣ ቴኔሲ፣ ቴክሳስን ቨርጂኒያን ከም ዝዕወት ትጽቢት ይግበር ይብል።

ዳይደን’ውን፡ ኣብዘን ግዝኣታት ሓዊሱ ኣብ ዩታህን ቬርሞንትን ክዕወት’ዩ ተባሂሉ ይእመን።

ክልቲኦም ተነሓናሕቲ፡ ንሓድሕዶም ስግኣት ኣሜሪካ እናተበሃሃሉ ይካሰሱ።

ትራምፕ ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ ዘረባታት፡ “ኣብዚ መረጻ እንተተሳዒርና ሃገር ኣይክትህልወናን” ይብል።

ፕሬዝደንት ባይደን ብወገኑ፡ ተነሓናሒኡ ንሃገሩ ካብ ዘለዎ ሓሳብ ንላዕሊ “ብቑጥዐን ምትላልን” ዝመርሕ ሰብ’ዩ ክብል ንትራምፕ ነቒፉ’ዩ።

“ንቕድሚት ክንስጉም ንደሊ ዲና? ወይ ትራምፕ ናብ ድሕሪት ክመልሰና’ዩ ድልየትና? ናብ ዕግርግር፣ ምክፍፋልን ናይ ጸልማት ግዜን ክንምለስ ንደሊ ዲና?” ኢሉ።

ትራምፕ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርአ ስደት ብምልዓል ደገፍቱ ድምጺ ክህቡዎ ሓቲቱ።

ኣብቲ ቅድመ-መረጻ፡ ክሳብ መወዳእታ ተነሓናሒት ትራምፕ ኰይና ዝመጽአት ኣባል ሪፐብሊካን ኒኪ ሄሊ ኣብ ግዝኣት ቬርሞንት ክትዕወት ትጽቢት ይግበር።

ባይደን ድማ፡ ኣብ ኣሜሪካን ሳሞዋ ብዙሕ ብዘይፍለጥ ፖለቲከኛ ጄሰን ፖልመር ተሳዒሩ።

ፕሬዝደንት ባይደን፡ ብፍላይ ብምኽንያት ኲናት እስራኤልን ቓዛን ኣብ ገለ ግዝኣታት ክረኽቦ ካብ ዝግባእ ድምጺ ንታሕቲ’ዩ ዝረክብ ዘሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *