Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
AfricaPoliticsዜና ትግርኛ
0

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ነቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘሕለፎ ውሳነ ግብረሽበራ ኣልዒሉ

ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ግብረሽበራዊ ውድብ ካብ ምዃኑ ክእለ ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተጻዕነ ገበን ግብረሽበራ ኣልዒሉ።

ብመሰረት ዓንቀጽ 20 ንኡስ ዓንቀጽ 2 ኣብ ዓንቀጽ 20 ኣዋጅ ቁጽሪ 1176/2012፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብሰንኪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዝተፈጥረ ናዕቢ ዝወጸ፡ ኣብቲ ብዕለት 23 ሚያዝያ 2013 ዝተኻየደ መበል 23 ህጹጽ ኣኼባ፡ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን  “ሸኔ’’  ከም ኣሸበርቲ ንምምዝጋብ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ  ሓሳብ ከም ዘቕረበን እቲ ባይቶ ድማ ከም ዘጽደቖን ዝዝከር እዩ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብዚ ጉዳይ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣልዒሎም ኣብ መወዳእታ ንህወሓት ካብ ዝርዝር ግብረሽበራ ንምእላይ ዝቐረበ እማመ ብብዝሒ ድምፂ 61 ተቓወምቲ 5 ድምፂ ተዓቅቦ  ብምርካብ ፀዲቁ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *