ዘርኡ ኮ ሃፅ ኢሉ ናብ ካልእ ቦታ ከይዱ ምስራሕ ይኽእል እዩ። በዓል ሃፍቲ እዩ። እንተስ ጋምቤላ እንተስ ዱባይ ክኸይድ ይኽእል እዩ።
ነቶም ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ “ዓዶም ዘየልምዑ” እትብሉ ሰባት ግን ነቶም ዓዶም ዘልምዑ ዘለዉ ኣይተስርሑዎምን።
ጉዳይ ወራር መሬት ብኸምዚ ኣይኮነን ዝውረር ዘሎ። እዚ ንኢንቨስትመንት ዝውሰድ ዘሎ እዩ። እንተነኣሰ ተሓታትነት ኣለዎ። ንኢንቨስትመንት ኢሉ ወሲዱ እንድሕር ናብ ስራሕ ዘይኣትዩ መንግስቲ መሊሱ ዝወስደሉ መስርሕ ኣሎ። እቲ ዝኸፈአ ውራ መሬት ግን ካብ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብውልቀ ሰባት ዝጓሓል ዘሎ እዩ። ንሱ እዩ ብዓብይኡ ስርዓት ንኽህልዎ ክስራሕ ዘለዎ።
ካብዚ ወፃኢ ግን እቲ ነዞም ናይ ኢንቨስተመንት ሰነዳት ምሓዝ ዝምልከቶ ቤት ዕዮ መንግስቲ “ንምንታይ ዕላማ እዩ እታ ናይ ዘርኡ ዝሓዘት ገፅ ጥራሕ ገንፂሉ ናብ ፌስቡክ በቲኑዋ”? ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ፍቓድ ዝረኸቡ ሰብ ሃፍቲ ቡዙሓት እዮም። ግን ኮነ ተባሂሉ እታ ናይ ዘርኡ ዘላታ ገፅ ጥራሕ ተበቲና። ጉቦ ምሃብ ዝኣበዮም ብኸምዚ ወዲ ኸምዚ እዮም ከጥቅዑዎ ዝፍትኑ። ኣብያተ ዕዮታት ትግራይ ብኸምዚኦም ዓይነት ባይታ ዝዘበጡ ሓላፍነት ዘይስመዖም ብጉቦ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ምምርሐን የሕዝን። ወዮ በዓል ሃፍቲ ስለዝኾነ ማዕረ እቲ ድኻ ኣይሕዘነሉን ዘሎ ይኸውን እምበር – እዚ ኣብ ልዕሊ ዘርኡ ዝፍፀም ዘሎ ግልፂ መጥቃዕቲ እዩ። ናይ ዘርኡ ጥራሕ ከም ዝፈቐዱ ናይ ዘርኡ ጥራሕ ይብትኑ። እምበር ነቶም ኣብ ሓንቲ ገፅ ወረቐት እንሪኦም ዘለና ኣርባዕተ ሓሙሽተ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቡዙሓት እዮም ፍቓድ ሂቦም።
ብዝኾነ ዘርኡ እቲ ኣብ ምፍታሕ ፀገም ህዝቡ ጉምብሕ ጥልዕ ክብል ዝረአናዮ በዓል ሃፍቲ እዩ። ገፍ ገፍ ኢልና እንተዘየባረርናዮ ትብሉ ኣለኹም። እንተመሪሩዎ ክኸድ ይኽእል እዩ። ሃፍታም ኣብ ዝኸዶ እዩ ዓዱ! . . . እዚ ክብል ከለኹ “ምእንቲ ከይኸድስ መሬት ይውረር” ኣይበልኩን። ብወረራ ዘይኮነስ ብስርዓት እዩ ናይ ኢንቨስትመንት ፍቓድ ሓቲቱ ዝወስድ ዘሎ። እዚ ከምቲ ዓንተዎ ዝበልኩዎ እንተነኣሰ ብሕጊ ክትሓተሉ እትኽእል ምስ መንግስቲ ዝኣተዎ ውዕል ኣሎ። እንተኽኢልካ ውዕሊ የብሎም ዕሊ የብሎም ምስ ሰበስልጣን እናተመሳጠሩ መሬት ህዝቢ ዝወሩ ዘለዉ ውልቀሰባት ተቓለስ!
