Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ባንኪ ዓለም ምሕደራ ታክስ ኢትዮጵያ ንምዝማን ሓገዝ ከምዝገብር ተገሊፁ

ምሕደራ ታክስ ኢትዮጵያ ንምዝማን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ባንኪ ዓለም ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፁ።

ሚኒስቴር እቶትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ባንኪ ዓለምን “ምሕደራ ታክስ ኢትዮጵያን ብምዝማን ወፃኢ ዝቑጥብን ውፅታዊን ግልጋሎት ምሃብ” ብዝብል ማዕቐፍ ኣብ ዝትግበር ፕሮጀክት ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኣታዊ ታክሲ ኢትዮጵያ ካብ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ዘለዎ ጥምረት ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ፖሊሲ ታክስ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር ሓሳባት ሪፎርም ናይ ምፍልፋል፣ ቅልጡፍ፣ ዘበናዊን ተበፃሒ ስርዓት ምሕደራ ታክስን ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ብቴክኖሎጂ ምስላጥ ከምኡ እውን ንከፈልቲ ታክስ ዝወሃቡ ግልጋሎታት ደረጃ ፅሬቶም ምምሕያሽ ዘካትት ፕሮጀክት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *