ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብምትሕብባር መኸተ ዩኬይ፣ፊዝዮኔትን ማሕበር ልምዓት ትግራይን ልዕሊ 100 ሽሕ ፖዉንድ ዝዋግኦም ተሸከርከርቲ ወናብር (ዊልቼይርስ) ብሓገዝ ረኺቡ።
ኣብቲ ርኽኽብ ሓገዝ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ እቲ ሓገዝ ብተበግሶን ፃዕርን ማሕበር መኸተ ዩኬይ ካብ ዘይመንግስታዊ ትካል ፊዝዮ ኔት ከምዝተረኸበ ብምሕባር ናብ ትግራይ ንኽበፅሕ ግደ ማልት ዕዙዝ ምንባሩ ገሊፆም።
ብምቕፃል እቲ ዝተረኸበ ሓገዝ ብዋናነት ንማእኸላት መሓከሚ ሰራዊት ትግራይን ማእኸል ፊዝዮቴራፕን ከምዝውዕል ብምሕባር ዘለዉ ሕፅረታት ሰፋሕቲ ብምዃኖም ኣብ መላዕ ዓለም ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውትን ሓገዞም ከበርክቱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
