ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ብሰንኪ ኲናትን ኮቪድን ተቋሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ካብ 1ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ሚያዝያ 23 2015 ዓ/ም ስሩዕ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጅምር ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ገሊፁ፡፡ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወት ትግራይ ትግራይ ንምሕዋይን ንምስጋርን ወሎዶታት ምህናፅ ናይ ወለዲ ፣ መምህራን ፣ መንግስቲ ብልይፅን ዝተዋደደን ጻዕሪ የድሊ ክብል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ደ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ገሊፆም፡፡
ዛጊድ ተቋሪፁ ዘሎ ትምህርቲ ትግራይ ንምጅማር 2 ነጥቢ 4 ሚልየን ተምሃሮ ክምዝገቡ ትፅቢት ከም ዝግበርን ጉዳይ ተመዛበልቲ ተምሃሮ ድማ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ኣብያተ ት/ቲ ክምሃሩ ከም ዝግበር ደ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ኣተሓሳሲቦም። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ተዋፊሮም ዘለው ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ፣ ብመሰረት ውሳኔ ካቢኔ መንግስቲ ትግራይ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልትታት ናብ ስሩዕ ስራሖም ንክምለሱ ምዕዋዖም ዝዝከር እዩ። ብመርሃዊ ተስፋይ
ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሩ ፅቡቅ እኳ እንተኮነ ዝዓነወን ዝተሰረቀን ኣቁሑት ኣብያተ ትምህርቲ ዳግመ ህንጸት ኣብዘይተገበረሉ ፣ ኣብ ምግዳል ዝርከበቡ ተምሃሮ ብሰርዓት ኣብዘይተሰነይሉ፣ መምህራን ንዝሓለፉ ዓመታት ደመወዞም ኣብዘይተከፈለሉን ትምህርቲ ምጅማሩ ከቢድ ከምዝገበሮ ሓደ ሓደ ምሁራት ስክፍተኦም እናገለጹ ይርከቡ፡፡
