Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብልዕሊ 440 ሚልዮን ቢር ዝዓደጎም ናውቲ ትምህርቲ ንወረዳታት ምክፍፋል ጀሚሩ ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብልዕሊ 440 ሚልዮን ቢር ዝዓደጎም ናውቲ ትምህርቲ ንወረዳታት ምክፍፋል ጀሚሩ ።

እቲ ርኽክብ ብክፍለ ከተማታት መቐለ ዝጀመረ እንትኸውን ብቐፃልነት ናብ ካልኦት ወረዳታት ከምዝባፃሕ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ ኣፍሊጦም።

ንኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ደገፍ ናዉቲ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ ምዃኑ ዘብርሁ ደክተር ኪሮስ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ትካላትንንሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ትምህርቲ ትግራይ ሓገዞም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ፀዊዖም።

ድጋፍ ናዉቲ ትምህርቲ ዝተረከቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ክፍለ ከተማ ኩሓ መምህር ዑቑባይ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ እታ ክፍለ ከተማ ሕፅረት ናዉቲ ከምዘለወንን ብፍላይ ንተምሃሮ ወረዳ እንደርታ ሓዊሱ ግልጋሎት ዝህብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወልደንጉስ ዝገደደ ፀገም ስለዘለዎ ቀዳምነት ከምዝተውሃቦን ሰኣን ወንበር ካልኦት ናውትን ይፅገሙ ንዝነበሩ ተምሃሮ ፀገሞም ንምቅላል ካምዝሕግዝ ኣፍሊጦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *