መበል 128 ዓመት ዝኽሪ በዓል ዓወት ኲናት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ መቐለ ዓውደ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ “በዓል ዓወት ኲናት ዓድዋ ንሰላም፣ ሓድነትን ብራኸን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ዝዝከር በዓል ካብ ሎምዓንቲ ኣትሒዙ ክሳብ ለካቲት 23 ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝብዓል ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምግላፁ ይፍለጥ።
ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ቢሮ ዘዳለዎ ዓውደ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣብቲ ዘተ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መኸተ ወርርቲ ዝፈፀሞ ተጋድሎን ዘመዝገቦ ዓወትን ዝድሃቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ክቐርቡ ኢዮም።





