Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ቑፅሪ ብሕፅረት ምግቢ ዝጥቅዑ ህፃናት ይውስኽ ኣሎ – ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር

ብሕፅረት ምግቢ ተጠቂዖም ናብ ሆስፒታል ዝመፁ ቑፅሪ ህፃናት ከምዝወሰኸ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣፍሊጡ።

እቲ ሆስፒታል ኣብ ዕላዊ ገፅ ማሕበራዊ ሚድይኡ ኣብ ዝዘርግሖ ፅሑፍ፣ ቑፅሪ ብሕፅረት ምግቢ ተጠቂዖም ናብቲ ሆስፒታል ዝመፁ ህፃናት ኣብ ወርሒ ሚዝያዝ ብ28 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቋሪፀንኦ ዘለዋ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ክጅምራ እውን ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ፀዊዑ እዩ።

ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠፋፊኡ እዩ ከምኡ እውን ኣብ ዘይመዓልኡ ይውዕል ኣሎ ብዝብል ኽሲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕተን ደው ምባለን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ከቢድ ቕልውላው የጋድዶ ምህላዉ ይግለፅ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *