Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ቋንቋታት ትግራይ ቋንቋ ሳይንስን ምርምርን ክኸውን ዘኽእል ሳይንሳዊ መፅሄት ንምጥያሽ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን መልእኽቲ ዘሕለፋ ሓላፊት ካቢኔ ሴክሬተሪያት ትልሚ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምህዞን ዶክተር ኣልጋነሽ ተስማ ምጥያሽ እታ ሳይንሳዊ መፅሄት ቋንቋታት ትግራይ ንምዕባይ ዝሕግዝ መስርሕ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ሕብረተሰብ ብቋንቁኡ ሳይንሳዊ መፅናዕትታት ከንብብን ክርባሕን ኣብ ምግባር ግደ እታ ኣብ ምጥያሽ ዘላ ሳይንሳዊ መፅሄት ዑዙዝ ክኸውን ትፅቢት ከምዘሎ እውን ኣመላኺተን።

እታ መፅሄት ካብ ዝተፈላለዩ ሙሁራት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝልኣኹ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዝሕተመላ፣ ቋንቋታት ትግራይ ቋንቋ ሳይንስን ቴክኖሎጅን፣ ቋንቋ ምርምርን ንክኾኑ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳንኤል ተኽሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ቐፃሊ ካብ ስያመ እታ መፅሄት ጀሚሩ ምስረታን መሓውራታን ዕላዊ ከምዝኸውን ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *