ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተዓጊቶም ዝቐነዩ ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ሰዓት 4:30 ምሸት ክልተ ኣባላት ፀጥታ መንግስቲ ብሓይሊ ኣዳፊኦም ንምርመራ ንደልየካ ኢና ኢሎም፣ፓስፖርቶም መንጢሎም ናብ ህንዲ ናብ እትበርር ዋንነታ ናይ ኢትዮጵያ ዝኾነት ነፋሪት ከምዘእተዉዎም ምንጭታት ሓበሬታ ሓቢሮም።
ድሕሪ ድማ እታ ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ተገዲዶም ዝተሳፈሩላ ቁፅሪ በረራኣ ET-686 ዝኾነት ነፋሪት ኢትዮጵያ ሰዓት 11:55 ፍርቂ ለይቲ ናብ ከተማ ኒውደልሂ ህንዲ ተበጊሳ ከም ዘላ እዉን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ !!!
Website: www.tigraitv.com
Telegram: https://t.me/Tigrai_Ttv
Email: info@tigraitv.com
Twitter: https://twitter.com/Tigrai_TV
Instagram: https://www.instagram.com/tigrai.tv
