Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል፡ ካብ ኣዉስትራልያ ናብ ትግራይ ይመፁ ኣብ ዝነበሩሉ እዋንቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ናብ ትግራይ ንኸይጓዓዙ ተኸልኪሎም ኣለዉ።

  • ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል፡ ካብ ኣዉስትራልያ ናብ ዓዶም ትግራይ ይመፁ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ሎሚ ረቡዕ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ናብ ትግራይ ንኸይጓዓዙ ተኸልኪሎም (ተኣጊዶም) ኣለዉ።
  • ኣባ ሰረቀብርሃን፡ ክሳብ ሕዚ (ረቡዕ ምሸት) ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ ኣለዉ። ኣብ’ቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክሓድሩ እዮም ተባሂሉ ይግመት።
  • ጉዕዞ ናይዞም ሃይማኖታዊ ኣቦ ንክተዓናቀፍን ንኽንገላትዑን፡ ከሙኡ ‘ዉን ሞራላዊ ፅዕንቶ ንክበፅሖም እናገበሩ ዝወዓሉ ኣካላት፡ ብግልፂ ፀረ-ትግራይ ጉጅለታት ኮይኖም፡ ተጋሩ ንክንፀንት እናሰርሑ ዘለዉ ኣካላት እዮም። እኒመን ምዃኖም ዉን ባዕሎም ይገልፁ ኣለዉ እዮም። (መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ‘ዉን … ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተወለድቲ ትግራይን ተደጋጋሚ በደላት ይፍፅም ኣሎ እዩ።)
  • እዞም ሃይማኖታዊ ኣቦ፡ ተነቢሩዎም ዘሎ እገዳ ንክለዓል፡ ናብ ትግራይ ዘካይዱዎ ጉዕዞ ንኽቅፅል፡ ብዙሓት ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን #ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ፡ #ፅባሕ ሓሙስ ናብ #መቐለ ክኣትዉ ትፅቢት ይግበር።
  • ተሳኺዑ፡ መቐለ እንተመፂኦም፡ (ሃይማኖታዊ ስርዓት ብዝፈቅዶ)፡ #ድሙቅ #ኣቀባብላ ክግበረሎም ይግባእ። ምኽንያቱ እዞም ኣቦ፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ኲናት ዓመታት፡ ሙሉእ ጊዜኦም ኲናት ፅንተት ተጋሩ ኣብ ምቅላዕን ምሙጓትን ዘሕለፉ ኣቦ እዮም።
  • እዚ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መንነታዊ (ብሄራዊ) ጉዳይና እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *