ኣብቲ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ነቲ ወዲ 79 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶ ካብ ስልጣን ንምእላይ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም ዝብል ዜና’ዩ ተናፊሱ ነይሩ።
ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶ ብተመሳሳሊ ኣብቲ ፕረዚደንት ብሩንዲ ኢቫሪስተ ንዳዪሽሚየ ዝተሳተፎ መበል 78 ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝገሸሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብድሕሪኡ ካብ ስልጣን ንምዕላዉ ፈተነ ከምዘተኻየደ’ዩ ተዘሪቡ ነይሩ።
ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ቴሪ ማንጎላ ብ 17 መስከረም ብመገዲ ኤክስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እቲ ዝተናፈሰ ዜናታት ስኑዕ ከምዝዀነ ድሕሪ ምግላጽ “ኵሉ ነገራት ርጕእ ከምዘሎ ብምርግጋጽ ሰብ ናብ ኵሉ ንጥፈታቱ ከም ቀደሙ ብህድኣት ክኸይድ ይኽእል’ዩ” ምባሉ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ ዕዉትን ፍሹል መንግስታዊ ዕልዋታት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ መዳውብቲ ኮንጐ ዝዀነት ጋቦን ወተሃደራት እታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ስልጣን ተቘጸጺሮም ይርከቡ።
ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶን ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገር ኣብ 1979 ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ’ዩ ስልጣን ሒዙ።
ኣብ 1992 ኮንጐ ብራዛቪል ንመጀመርታ ግዜ ብዙሓት ሰልፍታት ዝተሳተፋኦ መረጻ ኣብ ዘካየደትሉ ተሳዒሩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብታ ሃገር ኵናት ሓድሕድ ምስ ተወልዐ ኣብ 1997 ዳግማይ ናብ ስልጣን ተመሊሱ።
ፕረዚደንት ደኒስ ንጉሶ ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንፕረዚደንት ኢኳተርያል ጊኒ ቴዎዶር ኦባንግን ናይ ካሜሩን ፓል ብያን ተኸቲሉ እቲ ሳልሳይ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝተቐመጠ ፕረዚደንት’ዩ።
