ሳይበር ፓወር ትግራይ ሚድያ
★ ኣቦ ወንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ንምሉእነት ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክተግሁ ፃውዒት ቀሪቡ ።
ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ እቲ ሎሚ ቕነ ብኣቦ ወንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሚስተር ሙሳ ፋኪ ማሃማት ዝተውሃበ መግለፂ ” ዘደንፁን ናብ ጌጋ ከምርሕ ዝኽእል” መግለፂ እዩ ብምባል ቅርታ ከምዝፈጠረሉ ገሊፁ ።
ብተደጋጋሚ በቲ ሕብረት “ክልቲኦም ወገናት ” ዝብል መጃመሊ ቃላት እናተጠቐመ ብሓቂ ኣብ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘተዓናቕፍ ዘሎ ወገን ኣብ ክንዲ ነቒፉ ፅዕንቶ ዝገብር ነቲ ፀገማት ክሸፋፈን ይገብር ኣሎ ኢሉ እቲ ማሕበር
ሕዚ ድማ ንሕገ መንግስታዊ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ዝኾኑ ቦታት ትግራይ ብድፍረት “ዘካትዑ” ቦታት ኢሉ ኣብ መግለፂኡ ምጥቃሙ መደናገሪን እቲ ጉዳይ ናብ ዝኸፈኣ ጌጋ ንከምርሕ ዝገብር መገዲ ምምራፁ ተስፋ ዘቑርፅ እዩ ኢሉ።
ብሙኽኑ ድማ ኢሉ እቲ ማሕበር ኣቦ ወንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ፡ ደንገርገር ካብ ዝፈጥርን ፡ ናብ ጌጋ ካብ ዘምርሕ መግለፂ ተቖጢቦ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ካብ መከላኸሊ ሰራዊት ወፃኢ ንዘለው ዕጡቓት ወረርቲ ሓይልታት ክወፁ ፡ ብሰንኪ ወረርቲ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዘለው ሚልዮናት ወገናት ናብ ቦትኦም ን ክምለሱ ፀቕጢ ክገብሩን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ንክትግበር ካብ ልቢ ክተግሁን ንፅውዕ ኢሉ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ።
★ ሎሚ ቕነ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ዘመሓላልፍዎ ዘለው “ኣካታዕቲ ከባቢታት” ዝብሉ መደናገሪ መግለፅታት ዘካትዕ ከባቢ ዘይኮነስ ብሓይሊ ዝተታሕዙ ግዝኣታዊ ሓድነት መሬት ትግራይ ምዃኖም ወደብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ኤምባሲታት ኮኑ ካልኦት ትካላት ግዝኣታዊ ሓድነት መሬት ትግራይ ምዃኑ እንዳፈለጡ ከምዘይፈለጡ ተመሲሎም ኣካታዕቲ ከቦታታት ኢሎም ምግላፆም ካልእ ተወሳኺ ወጥሪ ንምዕሳል ዝወሃቡ ዘለው ሓደገኛታትን ተዃሳሕትን መግለፅታት ስለዝኾኑ ልጓም ኽገብርሉ ከምዝግባእ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ኣገንዚቡ።
ኣብ ተመሳስሊ ዛዕባ ብሄራዊ ባይቶና ዓባይ ትግራይ – ባይቶና ሕብረት ኣፍሪካ ንሉኣላዊ ግዝኣታት ትግራይ ዝጥሕስን ንግጉይ ባህሪ ኣቀራርባ ሙሳ ፋኪ ኮኒኑ፣ ነዚ መደናገሪ መግለፂታት ክእረሙ ድማ ፀዊዕ ።
ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ኣብ ቀረባ እዋን ኣቦ ወንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ኣብ ልዕሊ ሉኣላዊ ግዝኣታት ትግራይ ዝጠሓሰ ግጉይ ባህሪ ኣቀራርባ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ጌጋ ምስሊ ብዘትሕዝ ምግላፁን ብትሪ ንቃወም ኢሉ ኣሎ ።
★ ፌደራልዊ መንግስቲ ኣብ ክራይ ኣባይቲ ኣድሂቡ ዘውፅኦ ኣዋጅ ቊፅሪ 1320/2016 ኣብ ትግራይ እውን ንኽተግበር ምድላዋት ይውገን ከም ዘሎ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኰንስትራክሽንን ትግራይ ወ|ሮ ኣልማዝ ገብረፃዲቕ ገሊፀን።
እቲ ኣዋጅ ንመንግስታውን ውልቃውን ሰብ ዋና ኣካረይቲ ገዛ ዝምልከት ከምዝዀነ ዝገለፃ ወ|ሮ ኣልማዝ ገብረፃዲቕ ፥ ኣብ መንጎ ኣካራዪን ተኻራዪን ዘሎ ልዝብ ዋጋ ብሕጋዊ ውዕል ዝፍፀም ይኸውን ኢለን።
መጠን ክፍሊት ክራይ ገዛ ካብ 70-100% ከም ዝወሰኸን እዚ ድማ ፍትሓዊ ከም ዘይኰነን ድሕሪ ምግላፅ ፤ ነዚ ናህርን ዘይሕጋውን ዋጋ ንምስትኽኻልን ክርከብ ዝግብኦ እቶት ግብሪ ንምእካብን ፥ መንግስቲ ኢዱ ኣእትዩ ከምዝሰርሕ ፡ ወ|ሮ ኣልማዝ ገብረፃዲቕ ሓቢረን ።
★ ሓማስ ብእስራኤል ንዝቐረበሉ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውጥን ዕማም ይምርምሮ ከምዘሎ ገሊፁ ።
ጉጅለ ኣደራደርቲ ግብፂ ኣብ ጉዳይ ተዓጊቶም ዝርከቡ እስራኤላውያን ተኾሲ ደው ምባልን ኣመልኪቱ ዝርርብ ንክጀመር ናብ እስራኤል ምጋሾም ይፍለጥ ።
ሮይተርስ ከምዝሓበሮ እስራኤል ብግዚያዊነት ተኹስ ጠጠው ንምባል ብውሕዱ ሓማስ ጨውዩ ካብ ዝተወሰዱ 133 እስራኤላውያን ነቶም 40 ዜጋታታ ኣቐዲሙ ክለቅቕ ከም ቅድመ ኩነት ዘቐመጠት እንትኸውን ሓማስ ነዚ ዕማመ ይመኽረሉ ከምዘሎ ገሊፁ ኣሎ ።
★ ብካልእ ዜና ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ደው ክብል ዝፅውዕ ” ምሕዝነት ፍልስጤማውያን ኣብ ቀፅሪ ካምፖስት” ዝብል ምንቕናቕ ተቓውሞ ተምሃሮ ኣሜሪካ ናብ ፈረንሳይ ፡ ዓባይ ብሪታንያ ካልኦት ሃገራት እናሰፍሐ እዩ ።
ንቕንያቱ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ጋዛን ካልኦት ከብቢታትን ፍልስጤም ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ እስራኤል ብምቅዋም ምስ ፖሊስ እታ ሃገር ጎንፂ ዝፈጠረ ተቓውሞ ናብ ካልኦት ሃገራት እውን እናተዛመተ እዩ ።
ሎሚ እውን ተምሃሮ ሃገራት ፈረንሳይን ዓዲ እንግሊዝን ቐፅሪ ኣብያተ ትምህርቲ ብምቁፅፃር ተቓሞኦም እንተስምዑ መንግስታት ዓለም እቲ ኩናት ደው ክብል ፅዕንቶ ከሕድሩን ነቲ ኩናት ድጋፍ ካብ ምሃብ ክቑጠቡን እናፀውዑ እዮም ።
★ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣብ ሓደ ለይቲ ዕስለ ሚሳይላት ብምውንጫፍ ንመሰረተ ልምዓት ሓይሊ ኢነርጂ እታ ሃገር ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ፈንያ ።
ሓይሊ ኣየር ዩክሬን ሎሚ ቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ሩስያ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣንፃር ዩክሬን 34 ሚሳይላት ከም ዘወንጨፈትን ካብዚኦም እቶም 21 ብመከላኸሊ ኣየር ዩክሬን ከምዝፈሸሉ ገሊፁ ።
ብተመሳሳሊ ሩስያ ፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየራ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ዞባ ክራስኖዳር ልዕሊ 60 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክሬን ከምዝዓገተ ትገልፅ።
ብኻልእ ወገን ኣሜርካ ዘመነዎት ሚሳይላትን ፀረ ነፈርቲ ( ስርዓት ፖትሪዮት ሚሳይላት ) ናብ ዩክሬን ብቕልጡፍ ክለኣኽ ወሲና ።
ሚንስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ልዩድ ኦስቲን ከምዝሓበርዎ ንስርዓት ፖትሪዮት ሚሳይል ሓዊሱ ልዕሊ 6 ቢልዮን ዶላር ዘውፅኡ ወታደራዊ ኣፅዋርን ተሽከርከርትን ኣሜሪካ ናብ ዩክሬን ብቕልጡፍ ክለኣኽ ተወሲኑ እዩ ኢሎም ።
