★ ኣብ ልዕሊ መፍረይቲ ትካላት ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ንምሕዋይን ናብ ዝነበሮ ብርኪ ንምምላስን ብሞያን ዓቕምን ብምጥንኻር ፣ ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምትእስሳር ምስራሕ ከምዘድሊ ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ገሊፁ።
ሓላፊ ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ነዚ ዝገለፁ 4ይ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ዓዲግራት እንትሳለጥ እዩ።
★ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 33 ዓመት ብዓል ዓወት 20 ግንቦት ን103 ኣባላት ማሕበር ጉድኣት ኲናት ዕደላ መሬት ምክያዱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መሬትን ካዳስተርን ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ፀሃየ በርሀ ሓቢርም።
ኣብዛ ወርቃዊት ዕለት ን103 ኣባላት ማሕበር ጉድኣት ኲናት ትግራይ ዝኾኑ ሎሚ ዕለት ኣብታ ድምቅቲ ማዓልቲ 20 ግንቦት ዕደላ መሬት ምክያድና ናይቲ እንስዕቦ ዘለና ማሕበራዊ መሰረትና መግለፂ እዩ ክብሉ ምግላፆም ሓበሬታን ርክብን ከተማ ኣኽሱም ይሕብር።
★ ኣብ ስትራተጂ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዲስትሪ መሰረት ዝገበረ ስልጠና ተዋሂቡ።
ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ኩለመዳይ ምንቅስቓስ ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ንምድጋፍ ዝዓለመ ኣብ ስትራቴጂ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዲስትሪ መሰረት ዝገበረ ስልጠና ኣብ ከተማ መቐለ ሂቡ።
★ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋዕሉ ዘጥረዮም ክብርታት ብዝግባእ ተፃሒፎምን ተዓቒቦምን ወለዶታት ክመሃርሉን ከም መዋፅኦ ክንጥቀመሎምን ይግባእ ክብሉ ምስ ድምፂ ወያነ ትግራይ ፃንሒት ዝነበሮም ደረስትን ፀሓፍትን ገሊፆም።
★ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይን ፕሮጀክት ሂማልያን ካትራክት ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይን ብምትሕብባር ካብ 3 ክሳብ 9 ሰነ 2016 ዓ/ም ንልዕሊ 1500 ወገናት ነፃ ወፍሪ መጥባሕቲ ስብሒ ዓይኒ ከምዘሳልጥ ኣፍሊጡ፡፡
