Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ቅንያት ትግራይ ሕፅር ብዝበለ

★ ኣብ ትግራይ እኹል መፍረያይነት ሕርሻ ከይህሉ ካብ ዝገብሩ ጉዳያት እቲ ቐንዲ እቲ ዓውዲ ዘይምዝማኑ ብምዃኑ ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ምህርቲ ሕርሻ ኩለ መዳይ መከናይዜሽን ሕርሻ ምስፍሕፋሕ ወሳኔ ምዃኑ ተገሊፁ።
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ መካናይዜሽን ዘድሃበ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ምሃብ ጀሚራ።

★ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እጃምና ንምብርካት ዓቕምና ዝኸኣሎ ኩሉ ክንፍፅም ኢና ክብሉ ኣባላትን ኣመራርሓን ካብ ዓፋር ዝተመዛበሉ ተጋሩን ገናሕቲ መካይን ኢትዮ ጅቡትን ማሕበር ህንፀት ኩለመዳይ ማእኸል ዕዳጋ ደገፍ መቐለ ገሊፆም።

★ ብሰንኪ ኩናት ዝዓነወ ጥዕና ጣብያ ገርሁ ስርናይ ሐዚ እውን መሊኡ ናብ ግልጋሎት ከምዘይኣተወ ተገልገልቲ ገሊፆም።
እቲ ጥዕና ጣብያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሓገዝ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ተወለድቲ እቲ ኸባብን ውሱን ግልጋሎት ይህብ እኳ እንተሃለወ ከቢድ ዕንወትን ጉሕለትን ስለዘጋጠሞ ተገልገልቲ ይፅገሙ ከምዘለው ተፈሊጡ።

★ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ከቢድ ዕንወት ዝበፅሖ ዘፈር ሕርሻ ትግራይ ዚያዳ ምጥንኻር ከምዘድሊ ተገሊፁ።
እዚ ዝተገለፀ ምህርትን መፍረይነትን ሕርሻ ዘበነ ምህርቲ 2016/2017 ንምብራኽ ዓሊሙ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ኮይኑ ነዚ ዕዉት ንምግባር ሰብ ሞያ ሕርሻ ተዋዲዶም ንክነጥፉ ፃውዒት ቐሪቡ ኣሎ።

★ ዘጋጠመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ስዒቡ ኣብ ስራሕተኛታት ዝተፈላለዩ ትካላት ኣጋጢሙ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ሓበራዊ ተጠቃምነት መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ክስራሕ ይግባእ ተባሂሉ።

እዚ ዝተብሃለ ትማሊ ኣብ ዝጀመረን ሎሚ እውን ቀፂሉ ኣብ ዝውዕል ኣብ መንጐ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ተፈጢሩ ዘሎ አፈላላይ ንምፍታሕ ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ብዝተፈላለዩ ተወከልቲ እቶም ኣካላት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *