Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ቅሳነት ህዝብና እንተየረጋገፅና ንፃት እዉን ኣይንርብርብን !!

                                  

ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ክሳብ ዝረክብ ፡ ሉኣላዊ ግዛት ትግራይ ክሳብ ዝኽበርን ቅሳነት ህዝብና እንተየረጋገፅናን ንፃት እዉን ኣይንርብርብን ክብሉ ተጋሩ ዲያስፖራ ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣረጋጊፆም።

እቶም ተጋሩ ዲያስፖራ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ከተማ ለንደን ፍትሒ ንህዝቢ ትግራይ ፡ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ክትግበር ዝፅውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካየድሉ እዋን እዩ ነዚ ዘረጋገፁ ።

ኣብ ከተማ ለንደን ብፍላይ ድማ ኣብታ ከተማ ኣብ በሪ ኤምባሲ ኣሜርካ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ኣካል ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝኾነት ኣሜርካ ኮነ ካልኦት ሃገራት ነት ዝተበፅሐ ስምምዕ ብምሉእነት ክትግብራን ከተግብራን ይግባእ ኡሎም።

ሕዚ እውን ሉኣላዊ ግዛት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ወረርትን ተስፋፋሕቲ ኣምሓራን እዩ ዘሎ ዝበሉ ሰልፈኛታት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ተፀራሪጎም ክወፁ ፅዕንቶ ማሕበረሰብ ዓለም ክግበር ይግባእ ኢሎም።

ሒዚ እውን እቲ ናይ ምፅናት ተግባር ይቕፅል ከምዘሎን ብመንነቶ ምኽንያት ተኣሲሮም ኣብ ከቢድ ስቓይ ዝርከቡ ወገናት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ኣብ ለንደን ሰላማዊ ሰልፎ ዘካየዱ ተጋሩ ዳያስፖራ ፀዊዓም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *