ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ስፍሓት ዘለዎ ዕስለ ኣምበጣ ከም ዝተርኣየ ተገሊፁ ::
ሓላፊ መምርሒ ሕርሻ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ኣረፈ ከም ዝበልዎ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ጣብያታት ሓረሳዉን ገብረኪዳንን እዩ ብስፍሓት ተራእዩ ዘሎ::
ስለ ዝኾነ ንምክልኻል እቲ ዕስለ ኣምበጣ ኣካላት ኣመራርሓ እቲ ከባቢ ምስ ነባሪ ህዝቢ ተዋዲዶም እናሰርሑ እዮም::
እቲ ዕስለ ኣምበጣ ናብ ካልኦት ጣብያታት እታ ወረዳ ይኹን ካልኦት ጎረባብቲ ወረዳታት ክሰፍሕ ስለ ዝኽእል ዘድሊ ጥንቃቐ ክግበር ንዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ክበፅሕ ከም ዝተገበረ ድማ ኣረዲኦም::
