Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ቅልውላው ሱዳን ከም ዩክረይን ትኹረት ኣይተወሃቦን ተባሂሉ

ኣብ ኦክስፎርድ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሱዳን፡ ኣብ ሱዳን ተዓጽዮም ዝርከቡ ብዙሓት ስድራቤቶም ካብታ ሃገር ንኽወጹ ዝገብርዎ ቃልሲ ይቕጽሉ ኣለዉ።

ሱዳን ብሰንኪ እቲ ኣብ 15 ሚያዝያ ዝጀመረ ግጭት ናብ ቅልውላው ከም ዝኣተወትን ብዙሓት ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ከም ዝወጹን ይፍለጥ።

ብዙሓት ኣብ ግብጺ ይኹን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ሱዳናውያን ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ንነብሶም ይኹን ንስድራቤቶም ናብ ውሑስ ቦታ ከውጽኡ ኣይከኣሉን።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ “ካብ ዝዀነት ምዕራባዊ ሃገር ብዝዛይድ” ሰባት ካብ ሱዳን ናይ ምውጻእ ስርሒት ከም ዘካየደ ይገልጽ።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ክሳዕ ሕጂ ብውሕዱ 850 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ኣብቲ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ማሕበረሰብ ‘ሱዳናውያን ኣብ ኦክስፎርድ’፡ ዝሰርሕ ናዛር ዩሲፍ፡ ኢሜል ኣካውንቱ ስድራቤቶም ካብ ሱዳን ከውጽኡ ካብ ዝደልዩ ልዕሊ 65 ውልቀ-ሰባት ብዝተለኣኸ መልእኽቲ ከም ዘዕለቕለቐ ይዛረብ።

ንሱ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ነቲ ቅልውላው ዝሃቦ ምላሽ “ቅቡል ኣይኰነን” ይብል።

“መንግስቲ ነቲ ኵነታት ይከታተሎ ከም ዘሎ ገሊጹ’ሎ፡ እንተዀነ ግን [እቲ ኵነታት] ምስ ኵነታት ዩክረይን ማዕረ ኣብ ዝረኣየሉ ደረጃ ዘሎ ኣይመስሎን” ብምባል ቪዛ በጻሕቲ ወይ ዝዀነ ህጹጽ ቪዛ ከም ዘይወሃቡ ይሕብር።

ኒያም ዓሊ፡ ወዲ ክልተ ዓመት ወዳ ዩሲፍን በዓል ቤታ መሓመድ ያሲንን ኩሎም፡ ንህይወት ምድሓን ብቑዓት ኣይኰንኩምን ተባሂሎም ናብ ናይ ብሪጣንያ በረራ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም እዮም።

እቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ምስተላዕለ፡ ሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣንድሪው ሚቸል፡ መንግስቲ ዝከኣሎ ኩሉ ክሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ።

ኒያምን ወዳ ዩሲፍን ፓስፖርት ብሪጣንያ ስለ ዘለዎም ሃዲሞም ኣብ ግብጺ ይርከቡ። በዓል ቤታ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሱዳን እዩ ዘሎ።

በዓልቲ ቤት ኣሕመድ ኣላምን ሰለስተ ደቁን፡ ብ14 መጋቢት ዝሓመመ ኣቦኣን ካልኦት ስድራቤታን ክጥይቑ ካብ ኦክስፎርድ ናብ ኣልቃዳሪፍ ተጓዒዞም።

ብድሕሪኡ ስድራቤት ኣሕመድ ኣላም ኣብ ሱዳን ተዓጽዮም። ኣሕመድ፡ ካብ ሓደ ኣብ ኦክስፎርድ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ኤብስ ዝኰነ ጎረቤቱ ንበረራታት ዝኸውን 1800 ፓውንድ ክልቃሕ ተገዲዱ።

ሽዑ ስድራቤቱ ሰለስተ ግዜ ብኣውቶቡስ፡ ሓደ ግዜ ብነፋሪት ተጓዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ በጺሖም። ካብኡ ድማ ብካልእ ነፋሪት ናብ ካይሮ ኣትዮም።

ብድሕሪኡ ግን፡ እቲ ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ክገበር ዝነበሮ በረራ ስለ ዘምለጦም ሓድሽ ትኬት ክገዝኡ ከም ዘለዎም ተነጊርዎም።

“ስድራይ ክምለሱ ጥራይ እየ ዝደሊ ግን ደገፍ ክረክብ ኣይከኣልኩን” ይብል ኣሕመድ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *