Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ቃል ብተግባር ህዝብን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ

ርእሳነ ምምሕዳራት ኢ/ያ ኣብ ትግራይ ዑደት ኣብዝገበርሉ እዋን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ንትግራይ ንምሕጋዝ ብዝኣተዉዎ ቃል መሰረት 20 ሽሕ ኩንታል ስንዳይን 2000 ኩንታል ዕፉንን ናብ መቐለ ኣጓዓዒዞም ንቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣረኪቦም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ክልል ኦሮምያ ኣይተ በሪሶ ፈይሳ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ሓቢሮም።

ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ እውን ብዝኣተውዎ ቃል መሰረት ብግዚኡ ናብ ትግራይ ብምልኣኽ ከረክቡን ቀልጪፉ ናብ ሓረስቶት ትግራይ ክባፃሕን ፀዊዖም ።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ነቲ ብህዝብን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ ዝተገበረ ሓገዝ ብምምስጋን እቲ ዝመፀ ሓገዝ ናብ ሓረስታይ ብቅልጡፍ ከምዝባፃሕ ድማ ገሊፆም።



ትግቲቪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *