ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ሃገራት ኣፍሪካ ንምሕጋዝ ንዘርአዩዎ ተበግሶ ኣመስጊኖም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሎምቅነ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሓዱሽ ስምምዕነት ፋይናንስ ምስታፎም ይፍለጥ።
ጎድና ጎኒ እቲ ጉባኤ ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ተዛቲዮም ኢዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ፓሪስ ንዝገበሩልና ኣቀባብላን ምፍናውን ምስጋናይ የቕርብ” ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ውፅኢታዊ ንዝነበረ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሓዱሽ ስምምዕነት ፋይናንስ ከምኡ እውን ንሃገራት ኣፍሪካ ንምሕጋዝ ዘርአዩዎ ሰናይ ፍቓድ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስጋና ኣቕሪቦምሎም፡፡
ፋና
