Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ተዛቲዩ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ሊ ኬ ያንግ ተዛቲዩ።

ኣብ እዋን ዘተኦም÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ጠሚቶም ከምዝዘተዩ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብዝተረከበ ሓበሬታ የረድእ።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ቻይና ርክባት ንግዲ ምስፋሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሊ ኬ ያንግ ብግደኦም፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምዕባይን ምድንፋዕን ዝርከብ ኢኮኖሚ ዝውንና ብምዃነን ብሓባር ናይ ምዕባይ መገዲታት ክሕንፅፃ ከምዝኽእላ ኣብሪሆም።

ድሕሪ እቲ ዘተ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ን ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ሊ ኬ ያንግን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት 12 ዝኾኑ ስምምዓት ምትሕብባርን ክልተ ናይ ድሌት ሰነዳትን ኣብ ዝተፈረሙሉ ስነ ስርዓት ተረኺቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *