ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ሰራዊትን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምድብ ኣየር ሰብ ኣልቦ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ መሪቖም ከፊቶም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ደሕሪ ሰዓት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንመጀመሪያ ግዘ ዘሰልጠኖም ሕፁያት መኮ0ንናት፣ ሙያተኛታት ፅገና ኣውሮፕላንን ፓይለታትን ከመርቑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ። መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መበል 88 ዓመት በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ በዝተፈላለዩ ምድላዋት ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።
