— ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ ሚካኤል
ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ ሚካኤል ውድብ ህወሓት ምስ ኣባላቱ ከሳልጡ ኣብ ዝፀንሐ መድረኽ ኣድሂቦም ንሚዲያታት ሎሚ መግለፂ ሂቦም።
ኣብ ዙርያ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ፣ ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምኡ እውን ኣብቲ ክካየድ ዝፀንሐ ናይ ውድብ ኣባላት መድረኽን ብዝተወሰነ መልክዑ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ዝተገበረ ናይ ምርድዳእ መድረኽ መብርሂ ሂቦም ኣለዎ።
ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ውድብ ህወሓት እዩ ብምባል ስለዚ ዕማማትን ሽቶታትን ግዝያዊ ምምሕዳር ምዕዋት ናይ ውድብ ህወሓት ቀንዲ ዕማም እዩ ኢሎም።
