ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ተወከልቲ ነበርቲ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ከተማ መቐለ ዘቲዮም።
ምምሕዳር እቲ ወረዳ፥ ንስራሕቲ ፅገና መንገዲ ዝኸውን 40 ነጥቢ 1 ሚልየን ብር ካብ ተወለድትን ፈተውትን ሓውዜን ንምእካብ ተሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ምምሕዳር ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ ኣሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቀንዲ ቆላሕታና ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ዝዓነወት ትግራይ ደጊምካ ምህናፅ እዩ ኢሎም።
ትግራዋይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ድማ ነዚ ንምግባር ብዝተዋደደ መልክዕ ተሓጋጊዙ ዓዱ ከልምዕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ፀገም መሰረተ ልምዓት ንምፍታሕን ዝተበላሸው መገዲ ንምፅጋንን መንግስቲ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ብምሕዋስ ናብ ስራሕ ክኣቱ ክሕግዝ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገብረጅወርግስ ገብረኺዳን፥ ህዝቢ ወረዳ ሓውዜን ብሰንኪ ፀገም ፅርግያ ሞት ኣዴታት የጋጥሞ ምህላው ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ኩለ መዳይ ማሕበረ ቁጠባ እታ ወረዳ ንምጉልባትን ዝተበላሸው መገድታት ንምፅጋንን ካብ ፈተውትን ተወለድትን ሓውዜን ልዕሊ 40 ሚልየን ብር ንምእካብ ተተሊሙ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
