ብውድድር ብሽክለታ ልዑል ስም ዘለዋ ትግራይ ድሕሪ 3 ዓመት ኣሰናዳኢት እዚ ውድድር ኮይና ኣላ። ዝተፈላለያ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኢትዮጵያ ድማ ኣብዚ ውድድር ተሳተፍቲ እየን።
ሎምዓንቲ ብውድድር ግዘ(ክሮኖ ሜትር) ክጅምር እዩ። እዚ ውድድር ንተጋሩ ብሽክሌተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ውድድራት ንኽሳተፉ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ፕሮፌሽናል ብሽክሌተኛታት ተጋሩ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት መፅዮም ክሳተፉ እዮም።
ብመናእሰይን ዓበይትን ክካየድ መርሃ ግብሪ ተታሒዙሉ ዘሎ እዚ ውድድር ተጋሩ ክዕወትሉ ልዑል ትፅቢት ኣሎ።
