Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

“ስክሪፕት ሒዝኻ ናብ ኣኼባ ይእተ ነይሩ”ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም

“ስክሪፕት ሒዝኻ ናብ ኣኼባ ይእተ ነይሩ”
ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም

ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ፣ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይን ጊዚያዊ ምምሕዳርን ኣመልኪቶም ኣብ ‘ሳይበር ፓወር ትግራይ’ ዝተብሃለ ሚድያ ኣብ ዝገበርዎ ፃኒሒት ኣፍሊጦም።

እዚ ዝበሉ ኣብ ውድብ ህወሓት ተፈጢሩ ዝነበረ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ኣኼባን ተኽንን ብገለ ገለ ሰባት ይንፀባረቑ ዝነበሩ ጠቐነታት እዮም። መንግስቶም ኣብዚ ሕዚ እዋን ብውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ተጣይሹ ትግራይ ናብ ብምርጫ ዝመፅእ ሓይሊ ንኸረክባ ናይ ምስግጋር ዕማም ዝተውሃቦ ምዃኑ እናተፈለጠ ፣ ልኡኽትኡ ንምፍፃም ኣብ ዝገብሮ ርብርብ ኾነ ተባሂሉ ዕንቅፋት ንምፍጣር ተንኮላት ይእለሙ ምንባሮም ይገልፁ።

ምስ ማእኸላይ መንግስቲ ንሰለጤን ስራሕ ዝምልከት ርክባት እንትፍጠሩ “ምስ ብልፅግና ይራኸቡ ኣለው” ዝብል ሓሜታን ስም ምጥፋእን ብግልፂ ክንፀባረቑ ፀኒሖም እዮም። ንትግራይ ናብ ሓደጋ ንምእታው ድማ ይደራደር ዘሎ ሓይሊ ኣምሲልካ ወረ ብምንዛሕ ገሊኡ ትግራዋይ ገሊኡ ዘይትግራዋይ ገይርካ ብምግላፅ ፀግዒ ፀቢብነት ይንፀባረቕ ምንባሩ ኣይሓብኡን። ኣብቲ ዝነበረ ነዊሕ ዝወሰደ ኣኼባን ሞገትን ድማ እቲ ዓብይ ፍልልይ ዝፈጠረ ብሽም ‘ብልፅግና ኮይኖም’ ዝተወለዐ ዘመተ ሽም ምጥፋእ ምንባሩ ገሊፆም። ጊዚያዊ ምምሕዳር ውድብ ከፍርስ ዝመፀ ገይርካ ብምጥቃን ነዚ ጉልባብ ገይርካ ገበናት ናይ ምፍፃም ተርእዮታት’ውን ነይሮም እዮም ኢሎም።

ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተውሃቦ ልእኹቶ ንዘይምፍፃም ብዙሓት ዝተሓላለኹ ፀገማት የጋጥምዎ ምንባሮም ዘዘኻኸሩ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፣ ቅሉዕ ወራር መሬት ካብ ምፍፃም ጀሚሩ ክሳብ ግልጋሎት መንግስቲ ምቁራፅን ምጉታትን ዝበፅሑ፣ ከምኡ ድማ ኣብ ዝዓነው መሰረት ልምዓትን ሕፅረት በጀትን ናውትን ማእኸል ዝተጣየሸ ኾይኑ ከሎ ነቲ ፀገም ዘጋድዱ ማሕለኻታት የጋጥሙ ምንባሮም የብራህርሁ። ጊዚያዊ ምምሕዳር ልኡኽትኡ ፈፂሙ ንባዕሉ ከጥፍእ ዝተጣየሸ ኾይኑ እናሃለወ ዝተውሃቦ ልኡኽቶ ኣብ ምፍፃም ዝረኣዩ ዕንቅፋታት ግና ሕዚ’ውን ንባዕሉ ከም ሓደ ፍሉይ ሓይሊ ዘለዎ ገይሩ ዝቆፅር ጉጅለ ዕንቅፋት ምዃን ይቅፅል ምህላው ኣረጋጊፆም።

ሚዲያታት ትግራይ ድማ ምስ ናይ ብልፅግና ሚዲያታት ብምንፅፃር ክሳብ “ዋልታን ፋናን” ዝብል ሳጓ ምውፃእ ጀሚሩ ፣ ብብልፅግና እየን ዝምረሓ ዘለዋ ብምባል ነቲ ዘካይደኦ ቃልሲ ንምንእኣስ ፈተነታት ይካየዱ ምንባሮም ገሊፆም። ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከምዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኩነታት ኾይኑ ዕማሙ ብኣግባቡ ንምፍፃም ክፅገም ምፅንሑ ድማ ኣብሪሆም።

ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብ ሳይበር ፓወር ትግራይ ተኸታተሉ
https://www.youtube.com/live/_XxrYSML1C0?si=wdWscbmEEn6qIp5r

ላዛ ትግርኛ
18 ሚያዝያ 16 ዓ.ም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *