ኣብ ከተማ መቐለ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ሊቃነ ጳጳሳት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤት ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ተሳሊጡ።
ብመንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤት ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ዝተሰየሙ ሓደሽቲ ብፁኣን ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ከተማ መቐለ ደብረ ገነት ኪዳና ምህረት ቤተክርስትያን እንትኣተው ምእመን ነባራይ ከተማ መቐለ ብዝደመቐ ኩነታት ኣቀባብላ ገይርሎም።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ድማ ላዕለዋይ ሓላዊ ቅዱስ ፍሬሚናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን መንፈሳዊ ኮሌጅ ብፁእ ኣቡነ ዮሃንስ ከምኡ እውን ዋና ፀሓፊ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ኣረጋዊን መሳርሕቶምን ተረኺቦም።




