Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ሰረት ንህንፀት 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ገብሩ

በዓል ሃፍቲ ዘርኢ ገብረሊባኖስ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፅምብላ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ገብሩ ንምህናፅ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሽግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፈሰር ክንደያ ገ/ህይወትን ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ተኽላይ ገ/መድህንን ብምዃን እምነ ሰረት ኣንቢሮም።

እቲ ኣብ ወረዳ ፅምብላ ጣብያ ሚዛን ክህነፅ እምነ ሰረት ዝተነበረሉ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ገብሩ ህንፀቱ ብልዕሊ 15 ሚልዮን ብር ከም ዝሳለጥ ተሓቢሩ።

ኣብ ወረዳ ፅምብላ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምስራሕ እምነ ሰረት ዘንበሩ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ሓደ ሓደ ናዉቲ ንምምላእ ዝዉዕል 1 ሚልዮን ብር እዉን ሓገዝ ሂቦም።

በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብቐፃልነት ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍታሕን ዝዓነዉ ትካላት ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ተሰሊፍና እጃምና ክነበርክት ኢና ኢሎም።

ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ገ/መድህን ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብታ ዞባ ዝከቡ ትካላት ትምህርቲ ከም ዝዓነዋ ብምሕባር ዳግም ሃኒፅካ ናብ ንቡር ግልጋሎተን ንምምላስ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ካልኦት ሰብ ሃፍቲ እዉን ኣሰር ልምዓታዊ ተግባር ኣይተ ዘርኡ ስዒቦም እጃሞም ከበርክቱ ፀዊዖም።



ትግቲቪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *