ንብሄራዊ ጉባኤ ስዒቡ፡ ብሄራዊ መሪሕነት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ን ኣሉላ ሃይሉ ነጋ ኣቦ ወንበር፡ ንገ/ትንሳኤ ወ/ሚካኤል ድማ ም/ኣ/ወንበር ክኾኑ ብምሕራይ፡ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።
ሸውዓተ ክፍልታት እውን ዘጣየሸ ብሄራዊ መሪሕነት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሓለፍቲ ክፍልታት ንክመርሑ መሪፁ ኣሎ።
ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ፡ ሃይሉ ከበደ
ክፍሊ ፖለቲካ፡ ክንፈ ሓዱሽ
ክፍሊ ሕጊ፡ የማነ ካሳ
ክፍሊ ውዳበ፡ ጌትነት ገ/ሄር
ክፍሊ ርክብ ህዝቢን ሚዲያን፡ ኪሮስ ሃ/ስላሴ
ክፍሊ ፋይናንስ፡ ንጉሰ ኣረፈ
ክፍሊ ስትራተጂ መፅናዕቲን ስነዳን፡ ሽሻይ ንጉስ ተመሪፆም።




