ብጉድለት ትግበራ እቲ ስምምዕነት ህዝቢ ግዳይ ጥሜት፣ ሕማምን ስደትን ኮይኑ ይርከብ ።
እዚ ዝተገለፀ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ሕማሲማት) ምስ ወከልቲ ሕብረተሰብ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ጠሚቱ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ዘተ እዩ።
ኣብዚ መድረኽ ዝተረኸቡ ወከልቲ ሕብረተሰብን ሲቪክ ማሕበራትን ፣ብጉድለት ትግበራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ሕሱም ጥሜት፣ ሕማምን ስደትን ኮይኑ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ህዝቢ ትግራይ ስምምዕ ሰላም ብምሉእነት ብዘይምትግባሩ ቐረብ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓሪምዎ ኣብ ሓደጋ ምህላው ድማ ኣመላኺቶም።
ፕሪቶርያ ተነፃፃሪ ሰላም ከም ዘምፀአ ዝገለፁ እቶም ተሳተፍቲ ፣ዝተመዛበለን ኣብ ከቢድ ፀገም ዘሎን ህዝቢ ትግራይ ናብ መረበቱ ክምለስ ከም ዘይኣኽኣለ ገሊፆም።
እቲ ስምምዕ ሰላም ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ከውሕስ ዘይከኣለን ህዝቢ ትግራይ ካብ ወረርቲ ሓይልታት ዘየናገፈን ውዕሊ ምዃኑ ገሊፆም።
ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ሓሪምዎ ኣሎ ዝበሉ እቶም ተሳተፍቲ ፣ንሙሉእ ትግበራ እቲ ስምምዕ ሰላም መደራደርቲ ኣካላት ፅዕንቶ ክፈጥሩ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣመላኺቶም።
ፈፃሚ ዳይሬክተር ሕብረት ሲቪክ ማሕበራት ትግራይ (ሕማሲማት) ኣይተ ያሬድ በርሀ ክሳብ ሐዚ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ናይ ምሕላቕ ሰራሕ እናሰራሕና መፂና ኢና ኢሎም።
እቲ ሎሚ ዝተሳለጠ መድረኽ ማሕበረሰብ ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕ ሰላም ዘለው ሓሳብ ንምስማዕን እቲ ሕብረት ማሕበረሰብ ክሰርሖም ኣብ ዝግባእ ተወሰኽቲ ተግባራት ካብ ሕብረተሰብ ሓሳባት ንምውሳድን ከምዝኮነ ገሊፆም።
ፀገም ህዝብና ኣብ ምቅላሕን ኣብ ምሕላቅን ግቡእና ከምዝኾነ ንርዳእ ኢና ዝበሉ ኣይተ ያሬድ በርሀ፣ ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሓሳባት ብምጉላህ ናይ ምሕላቅ ተግባር ከምዝስራሕ ኣመላኺቶም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብተደጋጋሚ ንሙሉእ ትግበራ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ፅዕንቶ ከሕድሩ እናሓተተ ከምዝመፀ ይፍለጥ።
