ትግራይ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተዓዊታ ዶ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ናይቲ ቃልሲ ዕላም እንታይ ነይሩ ? ብስምምዕ ከ እንታይ ተዓዊቱ?፡ እንታይ ከ ኣስኢኑ ዝብል ምፍታሽ የድሊ። ዝኮነ ኲናት ቅድሚ ውግእ ምውልዑ ናይ ሓሳብ ግጥም ጎንፂ ኣብ ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣእምሮ ይጅምር፡፡ ናይ ሓሳብ ግጥም ብሰላማዊ መንገዲ ፍታሕ ምርካብ ዓቅሚ እንትስእን ናብ ወታደራዊ ጎንፂ የምርሕ፡፡ እንተኮነ ብወታደራዊ ሓይሊ ዘሸነፈ ኣካል ንግዚኡ ዝሰዓረ እንተመሰሎ ናይ ተሽናፊ ኣካል ሓሳብ ብሓይሊ ንግዚኡ እንተተጓዕፀፀ ግዜ ሓሊዩ ከም ባሓዱሽ ምልዓሉ ኣይቀርን፡፡ ኲናት ዘላቂ ፍታሕ ክረክብ እንተኮይኑ ናብቲ ኲናት ዘእተው ኣታሓሳስባታት ተስማዕሚዖም ክዕረቁ ወይ ንከይስማዕምዑ ክስማዕምዑ እንተለው እዩ፡፡
2013 ኵናት ትግራይ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተቃርኖ ሓሳባት ከይዲ ውፅኢት እዩ። ብቲ ሓደ ወገን ህወሓት ዝመርሖ ናይ ትግራይ ሓይሊ እንትኮን በቲ ካልእ ድማ ብልፅግና ኦሮሞ ዝመርሖ ፌደራል ሓይሊ (ኩለን ክልላት ሓዊሱ ) ፣ ሓይሊ ኣምሓራ ፣ ሃገረ ኤርትራ ፣ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን ልዕለ ሓያላን ዓድታትን ነናይ ባዕሎም ዕላማ ንምስካዕ ብግልፅን ስውርን ዝተሳተፍሉ ዓውደ ኲናት እዩ፡፡ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ታሪካውን እዋናውን ደፋእቲ ድሌታት ብምሓዝ ነናይ ባዕሎም ዕላማ ንምስካዕ ዝኣተውዎ ኩናት ዩ።
- ዕላማ ኩናት ትግራይ ብዓይኒ ሓይሊ ኣምሓራ
ናይ ኣምሓራ ሓይልታት ኣብ ኲናት ትግራይ ንምዕዋት ዝሓዝዎ ዕላም ንምንፃር መሰረታዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስቦኦም ምርዳእ የድሊ። መሰረታዊ ፖለቲካዊ አተሓሳስባ ኣምሓራ(ደቂቀ እምዬ ምኒሊክ) ብምኒሊክ ዝተጀመረ ህንፀት ኢትዮጰያ ንምስጓም ተሠፋሕፋሓይ፣ ዓብላላይ፣ ጨፍላቀይን መጓነዩን መግለፂ ባህሪታቱ፡ ኣሃዳዊ ስርዓት ከም መሳሪሒ ብምጥቃም ናይ ሓምሓራይ ልዕልና ኣብ ኢትዮጵያ ብዘላቂ ንምርግጋፅ ዝስድር እዩ፡፡
- ተስፋሕፋሓይ ባህሪ፡ መሬት ብሓይሊ ምውራር መግለጺ ባህሪያቱ እዩ፡፡ ዘይናቱ መሬት ይግበአኒ ሕቶ ብዘይሕንስያ ብምልዓል ጎንጺ ዝፈጥር ሓይሊ እዩ፡፡
- ጨፍላቃይ ባህሪ፡ ዝተፈላለዩ መንነት ዘሎዎም ህዝብታት ኣብ ሓደ ምሕደራ ዘይነበሩ ወይ ዓርሶም ክኢሎም ነፃ ዝነበሩ ህዝብታት ብሓይሊ ብምጭፍላቅ ኣብ ሓደ ደንበ ኣሃዳዊ ስርዓት ክመሓደሩ ዝብህግ እዩ፡፡
- ዓብላላይ ባህሪ፡ ልዕሊ 80 ብሄራት ናይ ባዕሎም ቋንቋ፣ባህሊ፣ታሪክ፣መንነት፣እምነት ወዘተ ብምጥፍእ ወይ ብምውራስ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዓብላላይ ንምኳን ይስጉም፡፡
- መጓናይ ባህሪ፡ ኣብ ከይዲ ህንፀት ኢትዮጰያ ማእከላይ ቀላሲ ፖለቲካ ኣምሓራይ ጥራሕ ብምኳን እቲ ካሊእ ምስለነ/ወዲ ወሰን ይገብር፡፡ ተለጣፊ ሰም ግንድን የድልዩ፡፡ መንነቱ ክሓብእ ክሸማቀቅ ይግበር፡፡ ትግሬ፣ጋላ፣ወላሞ፣ሻንቅላ ወዘተ ስያመታት ብምጥማቅ ካልኦት ህዝብታት ካብ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ንምርሓቅ ዝጥቀመሎም መሰሪ መጓነይ ኣተሓሳስብኡ እዩ፡፡
- ተበላጻይ ባህሪ፡ በዝሒ ህዝብን ኣሃዳዊ ስርዓትን ከም ዕድል ብምጥቃም ኣብ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ዓውድታት ተበላፃይ ፖለቲካዊ ኣታሓሳስባ ምስ መሰረታዊ እምነት ማዕርነት ፣ ፍትሓውነት ፣ ሓርነት ዝጋራጮ እዩ።
- ወራሳይ ባህሪ፡ ናይ ኮልኦት ህዝብታት ባህሊ፣ ታሪክ፣ ቅርሲ ወዘተ ብምውሳድ ወይ እቲ ነባር ህዝቢ ብምይፋእ ናይ ባዕሉ ክገብር ይፅዕር ሓይሊ እዩ።
ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃፀይ ምኒሊክ ጀሚሩ ክሳብ ስርዓት ደረጊ ዝቀፀለ እዩ። ኣብ ኣብዛሓ ኣምሓራይ ዘሎ ስነ ልቦና ርዲኢት ምግማት ኣየፅግምን። ህንፀት ሃገረ ኢትዮጲያ ናይ ኣምሓራይ መሪሕነት፡ መስዋእትን ኣተሓሳስባ ምኳና ይኣምኑ።
ኣንፃር ህንፀት ሃገረ ኢትዮጲያ(ብሃፀይ ምኒሊክ ዝተጅመረ) እዩ።
እዘን ዝተገለፃ ባህሪያት ዘለዎ ሓይሊ ምኒልካዊ ኣምሓራ ዕላምኡ ንምስካዕ ህዝቢ ትግራይ ቀንዲ ዕንቅፋት ገይሩ ይወስዶ። ብታሪኩን ብመንነትን ዝኮርዕ ህዝቢ ትግራይ ወርቃዊ መንነቱ ገዲፉ ምኒለካዊ መንነት ክላበስ ፣ ክጭፍለቅ ፣ ክዕብለል ኣይካኣለን፡፡ ኣይካኣልን እውን፡፡ ታሪክን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምግባት ብወታደራዊ ሓይሊ ክጭፍለቅ ተመኪሩ፤ ልስሉስ ሓይሉ(soft power) (ብሃይማኖት ፣ ጥበብን ፈጠራዊ ጽሑፋት ሽፋን) ክፀዓን ተሰሪሑ ፤ ብመንግስታዊ ሰርዓት/ መሓውር(ምኒሊካዊ ምሕደራ) ወዘተ ተመኲሩ ፡ መንነት ህዘቢ ትግራይ ብ ሚኒሊካዊ ኣተሓሳሰባ ክልወጥ ኣይካኣለን፡፡
ህዝቢ ትግራይ ሕልሚ ምኒሊካዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ኢትዮጵያ ንምስካዕ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ስለዝተራኣዮም ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ ፅሊኢት ብምሕዳር ብዝኮነ ይኹን መልኩዑ ክዱቆስን ጠቅሊሉ ካብ ገፀ ምድሪ ንክጠፍእን ኩሉ ዓይነት አረሜናዊ መንገዲ እናተጠቀሙ ፀኒሖም እዮም፡፡
ምኒሊካዊ ሓይሊ ኣምሓራ ንዘመናት ዝስርሕሉን ዝሓልምዎን ዝነበሩ መንነት ህዝቢ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ዕላማ ጥጡሕ ኩነታት ተፈጠሩ፡ እቲ ጎንፂ ክሳለጥን ክባራዕን ቀላሳይ ግደ ተፃዊቱ። ነቲ ኩነታት ብምብላፅ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተሓዚሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒን መከራን ኣውሪዱ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ ምድሪ ተሓኪኩ ክጠፍእ ዝካኣልሎ ርሕቀት ተንቃሳቂሱ፡፡
ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዓይኒ ምኒልካዊ ኣምሓራይ ዕላማ እንትምዘን ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ ምድሪ ተሓኪኩ መሊኡ ክጠፍእ ዝሓዞ ተግባር ንግዚኡ ዘፍሽል እዩ፡፡ ተሓዚሉ ዝኣተወ ሓይሊ ዓርሱ ክኢሉ ክቅፅል ተፈጥራዊ ስብእንኡ ኣይፈቅዶን እሞ ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ናይ ሓይሊ ምኒልካዊ ኣምሓራ ዕላማ ኣየሳክዕን፡፡ ብግልባጡ ፡ ሓይሊ ትግራይ በዚ መመዘኒ ነጥቢ ተዓዊቱ እዩ።
2. ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብመነፅር ኤርትራ
ኤርትራ ናብ ኩናት ትግራይ ሒዝዎ ዝተበገሰ ዕላማ 1)ኣብ ኢትዮጲያ ድኩም መንግስቲ ብምፍጣር ናይዚ ዞባ ጎብለል ንምኳን 2) ኣብ ልዕሊ መቃብር ትግራዋይ መንነት ፡ ኤርትራዊ መንነት ንምዕንባብ 3) ዝፀንሐ ፖለትካዊ ጠላዕን ሕዱር ቂም በቀልን ንምውጻእ ዝሃቀነ እዩ። ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ኤርትራ ዝጀመረቶ ህዝቢ ትግራይ መሊእካ ናይ ምስዓርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጎብለል ናይ ምኳን ሃቀንን ዝኮለፈ እዩ። ኣብዚ ነጥቢ እውን ሓይሊ ትግራይ ተዓዊቱ እዩ።
2. ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዓይኒ ሓይሊ ኦሮሞ
ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታት ዳርጋ ካልኣዋይ ዜጋ ዝረአ ዝነበረ ህዝቢ እዩ፡፡ ብመስዋእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝተተከለ ሰርዓት ፌደራሊዝም፣ ህዝቢ ኦሮሞ ናይ ባህሉ ቋንቋ ከዕቢ ፣ ብመንነቱ ክኮርዕ ዕድል ፈጢርሉ እዩ፡፡ሊሂቅ ኦሮም ትሕት እንትብል ማዕርነት ፣ ፍታሓውነትን ሓርነትን ዘንበረ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ዝጠልብ ፤ ሓፍ እንትብል ድማ ኦሮሞ ዝዕብልላ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም እንተዘይ ኮይኑ ክሳብ ምስረታ ዓባይ ኦሮሚያ ዝጠልብ ፓለቲካዊ ኣተሓሳስባ የስጉም፡፡
ብልፅና ኦሮሞ (ኣብዛሓ ሊህቅ ኦሮሞ ሓዊሱ) እንትረአ ብሰሜን(ኣምሓራን ትግራይን) ተታሒዙ ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ስልጣን ኢትዮጵያ መሊኡ ናብ ኢዱ ንምእታው ፌደራል መንግስቲ ብላዕለዋይ ኢድ ንምቁፅፃር ተንቀሳቐሱ ፡፡ እዚ ንምዕዋት ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ህወሓት ቀዳማይ ስጋኣት ምኳኑ ብምእማን ዘሎን ዘይሎን ሓይሉ ኣሰባሲቡ ፣ ውሽጣውን ደጋውን ሓገዚቲ ሓይልታት ብምዕዳም 2013 ኲናት ትግራይ ንምዕዋት ዝካኣሎ ርሕቀት ተጓዒዙ፡፡ናይ መወዳእታ ዕላምኡ ድማ ኣብ ፌደራል ስርዓት ብዘይ ተነሓናሒ ሓይሊ፡ ስልጣን ሒዝካ ዓብላላይ ኮይንካ ምቅጻል እዩ፡፡ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዓይኒ ኣተሓሳስባ ሓይሊ ኦሮም ዕውት ንክኮውን ሓይሊታት ትግራይ ቀንዲ መሓዛ ገይሩ እንተወሲዱ እዩ፡፡ ሓይሊ ኦሮሞ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ዕላምኡ ናይ ምስካዕ ዕድሉ ሰፊሕ እዩ፡፡
3. ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብመንፅር ምዕራባውያን
- ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዎ ረብሓ ንምሕላው ዘክእል ምችው ፖለቲኣካዊ ባይታ ንክፍጠር እናሰርሐት ፀኒሓ እያ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ናይ ምዕራባውን ስነ ሓሳብ ላዕለዋይ ብርኪ ሒዙ ብኢኮኖሚን ብፀጥታን ብሓፈሻ ናይዚ ዞባ ኣዛዚት ኮይና ክትቅፅል መናሕንሕታ ሃገራት ኣብዚ ዞባ ተፀዕኖ ንምግባር ዘክእለን ባይታ ክይህሉ ንምግባር እዩ።
- ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ለውጢ ይኩን 2013 ኩናት ትግራይ ካብ ምዕራባውያን ቁፅፅር ወፃኢ ኣይነበረን። ስምምዕነት ፕሪቶሪያ እንተኮነ ምሉእ ንምሉእ ናይ ምዕራባውያን ዕላማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሳክዕ እዩ። ብመሰረቱ እቲ ስምምዕ ብድሌት ኣሜሪካ ተመሪሑ ዝተከንበተ ስምምዕ እዩ።
4. ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብህወሓት መነፅር
ህወሓት ከም መቃለሲ ዕላማ እናገለፆ ዝፀንሐ ” ሕገ መንግስቲ ይከበር ” ዝብል ነይሩ። ግዛኣታዊ ሓደነት፡ መሰል ዓርሰ ወንሳነ፡ ዓርሰ ምሕደራ፡ መንግስትነት ትግራይ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣብ ትሕቲ ምክባር ሕገ መንግስቲ ዝጠቃለሉ እዮም። እምባኣር ከስ ” ሕገ መንግስቲ ይከበር ” ዝብል መቃለሲ ዝተዓጠቀ ህወሓት ጥራሕ ኣይኮነን መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን እዩ። ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ብማዕረ ” ሕገ መንግስቲ ንምክባር” ኢሎም ብኲናት ዝጃፍዕሉ ምክንያት ኣይህሉን።
እቲ ሓቂ ግን ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን። ኦሮሞ ብልፅግናን ህወሓትን ቀንዲ ባእሶም ናይ ስልጣንን ስልጣ ስዒቡ ዝመፅእ ስትራተጂካውን ግዛዊን ረብሓታት እዩ።
ህወሓት ናይ ፌደራል ዘዋርነት ስልጣን ምስኣኑ ስዒቡ ኣብ ከቢድ ስግኣት ህልውና ተወሒጡ ። ብመንግስቲ ዝፍኖ ኣብ ሃፍቲ ህወሓት ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ፡ ንኣባላት ህወሓት ብፍሉይ ምስዳድን ምእሳርን ተደሚሩ ኣብ ኣመራርሓ ህወሓት ብሓፈሻ ኣብ ኢሊት ተጋሩን ህዝቢ ትግራይን ካብ ስልጣን ዝዘለለ ናይ ህልውና ስግኣት ፈጥሩ እዩ።
እሞ’ኸ እዚ ስምምዕ ናይ ስልጣንን ምስ ስልጣን ሓቢሮም ዝመፁ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ(ከም ትእምት….) ፣ ህልውና ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብ ልዕልና ሕገ መንግስቲ ይምልስዶ ወይ ንፈጣፊካን ማእከላይ መንግስትን ኣሚንካ ዝግደፍ እዩ?
ኣብዚ ክፍለጥ ዝግበኦ ኣብ ጨና ዴሞክራሲ ዘየብላ ሃገር ፡ ዝክበር መንግስቲ እምበር ዝክበር ሕገ መንግስቲ ኣይህሉን። ልዕልና ጠቅላይ ሚኒስትር እምበር ልዕልና ሕገ መንግስቲ ዝባሃል ኣይሰርሕን። እዚ ስምምዕ ተቀባልነት ህወሓት ዘውረደን ድሌት ስልጣን ህወሕት ዘይምልስ እዩ። ዘመናዊ ኢድ ምሃብ ኢልካ ክውሰድ ይክእል እዩ።
5. ስምምዕ ብመነፅር ብሄራውያን ውድባት(ሓይልታት ትግራይ)
ሕገ መንግስቲ ኢትዮጲያ ረብሓን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ከውሕስ ኣይክእልን ዝብል ሞጎት የልዕሉ። ብሄራውያን ውድባት (ሳወት) እንትቅድም ብልሕሉሕ ፌደረሽን ድኩም ማእከላይ መንግስትን ጠንካራ ክልላዊ መንግስትታትን ብምህናፅ ብቀሊሉ ሃገር ምውናን ዝህቅን ውናት ድማ ብቀጥታ ነፃት ዝጠል ቃልሲ የስጉሙ ነይሮም። ናይ ቃልሲ ስትራተጅን ስልትን መንገዲ ብዘይግድስ ናይ ኩሎም ብሄራውያን ዕላማ ምውናን ሃገረ ትግራይ ፤ ዳሕራይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ስለዝተፈፀመ ናይቲ ቃልሲ ዕላማ፡ ብቃልሲ ህዝቢ ትግራይ “ሃገረ ትግራይ” ምውናን ኮነ። ህዝባዊ ቃልሲ ፡ ህዝባዊ ምክልካል ሓይሊ ትግራይ ፈጢሩ ። መንእሰይ ትግራይ “ቃልስና ብምስረታ ሃገር ትግራይ ይክንበት ” ብዝብል ጭርሖ ተቃሊሱ፡ ተሰዊኡ ተኣምራዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ።
መእሰሪ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምውናን ” ሃገረ ትግራይ ” ምኳኑ ዓው ኢሉ ገሊፁ። እሞሲ እቲ ቃልሲ ክዕወት ሞተር ኮይኑ ዘግልግል ሓሳብ ናይ ብሄራውያን ዕላማ እዩ። መራሕቲ ሓሳብ ቃልሲ እውን ንሶም እዩም።
እንተኮነ ምዕራባውይያን ናይቲ ቃልሲ ገባሪ ሓዳጊ፡ ህወሓት ገይሩ ብምውሳድ ሓይሊ ትግራይ ብህወሓት ጥራሕ ክውከል ገይሮም። ህወሓት እወን ኣጣቆዑ ተቀቢልዎ። እቲ ስምምዕ ብመነፅር ብሄራውያን ተቃለስቲ እንትምዘን ካብ ኣገባቡን ከይድታቱን ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ቀንዲ ብሄራውያን ተቃለስቲ ዘግለለ ጥራሕ ዘይኮነስ ዕላማ ቃልሲ ነፃነትን ግዛኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ሕቶ ዘእተወ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓደነት ህዝቢ ትግራይ ንምድካም ዕድል ዝፈጥር እዩ።
6. ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብመነጽር ህዝቢ ትግራይ
ሓፈሽዐዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ሓይሊ ትግራይ ካብ ታሪክ ኣክሱም ጀሚሩ ዝተፈጠረ ቀላሳይ፣ ኣነነትን ይግበአንን ፖለቲካዊ መንነት ዝጨበጠ እዩ፡፡ ሓይሊ ትግራይ ብንእሱ ማዕርነት፣ፍታሓወነት ዘንበረ ሕብረ ፌደራሊዝም ወይ ኮንፌደሬሸን ስርዓት ዝብህግ ሓፍ እንትብል ድማ ማእከላይ ፖለቲካ ቀላሳይ ዝጠልብ እንተዘይ ኮይኑ ድማ ሃገረ ትግራይ ከምስርት ዝደሊ ሓይሊ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ማዕርነት፣ፍታሓወነት ረጊፁ ብዓብላላይ ኣተሓሳባ ክመርሕ ዝክእል ደጋዊ ሓይሊ ዝቅበል ፖለቲካዊ መንነት የብሉን፡
ብስምምዕ ስላም ክወረድ፡ ራሕዋ ክነግስ ትምኒት ህዝቢ ትግራይ እዩ። እንተኮነ እቲ ዝገበረ ትሕዝቶ ስምምዕ እንተረአ ስላም ኣውሪዱ ዘላቂ ረብሓ ትግራይ የረጋግጋፅ ዶ ዝብል ስግኣት ዝፈጥር እዩ።
ወረርቲ ሓይሊታት መሬት ትግራይ ንምውራር ፡ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝሓዝዎ እኩይ ዕላማ ብኲናት ዘይካኣልዎ ብስምምዕ ምክንያት ንምክንባት ዘክእሎም ኣብቲ ትሕዝቶ ስምምዕ ነኳል ብምህላው ካሊእ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ትሕዝቶ ስምምዕ ዘስክፉ ጥራሕ ዘይኮነስ ዋሕስ ህዝቢ ትግራይ ዝኮነ ትካል ሓምት ዕጥቁ ክፈትሕ ዝብል ቃል ምጥቃሱ ጥራሕ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጥሮ ስጋኣት ድህንነትን ስነ ልቦናዊ ስብራትን ከቢድ እዩ። ምስ ባዕዳዊ ሓይልታት ኮይኑ ታሪክ ይቅረ ዘይብሎ ግፍዒ ዝፈፀመ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣሚንካ ህዝብን ዓድን ምርካብ መሰከፊ እዩ።
ኣወንታዊ ሳዕቤን
- እዚ ስምምዕ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ብጥሜትን ሕማምን ጥይትን ዝበርስ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ንክድሕን ሰፊሕ ዕድል ዝህብ እዩ።
- ኣብ ስልጣን ኢትዮጲያ ዘሎ ሓይሊ(ኦሮሞ ብልፅግና ዝገንሖ) ምስ ሓይሊ ትግራይ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ንጎኒ ገዲፍካ ዘጓንፅ ወሰን ይኩን ታሪክ የብሉን። ሐዚ ትግራይ ስልጣን ኣብ ኢትዮጲያ ትብህገሉ ዘይኮነስ ህልወናኣ ተረጋግፀሉ እዋን እዩ። እዚ ስምምዕ ንክልታኣዊ ረብሓ ፡ ፖለቲካዊ ምሕዝነት ክህሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ።
- ንፌደራል መንግስቲ ሓጊዘን ኣንፃረ ትግራይ ዝተስለፋ ክልላዊ መንግስታት ኢትዮጵያ (ብዘይ ኣምሓራ) ብፍሉይ ምስ ትግራይ ጎነጽ ስዘይብለን ሓፍ እንትብል ማሓዛ ትግራይ ትሕት እንትብል ኣንፃር ትግራይ ከይስለፋ ዕድል ዝፈጥር ስምምዕ እዩ።
- ንፌደራል መንግስቲ ዝድግፋ ምዕራባውያንን ካልኦት ሃገራትን ኣንፃር ትግራይ ክያዶ ክዕገት ይገብር።
- ትግራይ ካብ ካርታ ክትጠፍእ ዝምነዩ ሓይልታታ (ሻዕብያን ኣምሓራን) በይንቶም ንክተርፉ የክእል።
- ጉጅላዊ ጥቅሚ መሰረት ዝገበረ መሪሕነት ህወሓት ብብሕታዊ ቀፊዱዎ ዝፀነሐ ፖለቲካ ትግራይ ሓዱሽ ፖለቲካዊ መድረክ ክፍጥር በሪ ይከፍት።
- ዝተጋነነ ምስሊ/ መንነት ህወሓት ተቀንጢጡ ሓቃዊ መንነት ዝወፀሉ ብምኳኑ ዘይምክንያታዊ ዓይኒ ዕሙተይ ደገፍቲ ህወሕት ምክንያታዊ ንክኮኑን ስልጡን ፖለቲካ ትግራይ ንክህሉ ይሕግዝ።
ኣሉታዊ ሳዕቤን
- ኣብቲ ስምምዕ ሰነድ ግዛኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብ ሕገ መንግስቲ ክዳነ ኣሕሊፉ ይህብ። መሬት ትግራይ ኣብ ኢድ ሕገ መንግስቲ ብምውዳቁ ብሕገ መንግስቲ ክዳነ ዝቀረበ ግዛኣት ድማ ብኣብዛሓ ድምፂ ህዝቢ(ዝነበረን ዝተፋናቀለ ሰፋርን) ስለዝውሰን ላእላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ድሌት መግስቲ ኢትዮጲያ ኢድ ክወድቅ ይገብሮ። እዚ ማለት ፖለቲካዊ ድሌት መንግስቲ ኢትዮጵያ እምበር ሕገ መንግስቲ ዘድሕኖ ግዝኣት ትግራይ የለን።
- ዕፃ ትግራይ ካብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወፂኡ ኣብ ኢድ ፌድራል መንግስቲ ድሌት ዘውድቅ ስምምዕ እዩ።ድሕሪ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓምት ዝፍራሕን ዝክበርን መንግስቲ ብልፅግና እምበር ዝክበር ሕገ መንግስቲ ኣይህሉን።
- ብሄራውያን ሓያልታት ትግራይን ዘግለለ ብ ህወሓት ጥራሕ ዝተገበረ ስምምዕ ብምኳኑ ተጋሩ ኣብ ክልተ ጫፍ ( ብሄራውያንን ኢትዮጵያውነትን) ተስሊፎም ነኒባዕሎም ክናቆሩ ዕድል ዝህብ ብምኳኑ እዩ።
ብሄራውያን ሓያልታት ትግራይን ዘግለለ ብ ህወሓት ጥራሕ ዝተገበረ ስምምዕ፡ ተጋሩ ኣብ ክልተ ጫፍ ( ብሄራውያንን ኢትዮጵያውነትን) ተስሊፎም ነኒባዕሎም ክናቆሩ ዕድል ስለዝህብ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ልዑል ሓደጋ ኣሎዎ።
ጥንካሬ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓድነቱ፡ ስነ ልቦናዊ ስብእንኡ ዝምስረት እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብሓድነት ዝገብሮ ቃልሲ ብደጋዊ ሓይልታት ፍፅም ክሳዓር ዘይክእል ናይ ሳዓራይ መንነት ዘለዎ ፍሉይ ህዝቢ ምኳኑ ኣመስኪሩ እዩ። እዙይ ዝተረዱኡ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ” ትግራዋይ ብ ትግራዋይ/ ትግሬ በ ትግሬ” ዝብል ፈሊጥ ኣውፂኦምሉ። ሐዚ እውን እንተኮነ! መመሊሱ ክሕሰበሉን ክእረምን ዘለዎ ዛዕባ ብሄራውያን ሓይልታት ትግራይ ዘተኣናግድ ሓዱሽ ፖለቲካዊ መድረክ ክፍጠር ኣለዎ ። ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ትካላውነትን መትከላውነት ዝሽከለ፣ ንኩሉ ትግራዋይ ማዕረ ዘስተኣናግድን፣ ልዕልነት ሕጊ ዘንገሰ ባህሊ ብምፍጣር መሰረት ጥንካረ ተጋሩ ዝኮነ ሓድነት ዝያዳ ክሕይል ክስራሕ ይግባእ።
ገብረትንሳኤ ወ/ሚካኤል
ሕዳር 2015 ዓ/ም
