Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ስልጠና ኣመራርሓን ሰብ ሞያን

ኣብ ሕውየት ስነ-ልቦና፣ ከተማታት ፣ ቁጠባ ከምኡ እዉን ኣወሃህባ ግልጋሎት ቤት መዘጋጃን ምሕደራ መሬትን መሰረት ተገይሩ ን 4 መዓልታት ዝወሃብ ስልጠና ብምትሕብባር ሚኒስተር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ይወሃብ ኣሎ።

ኣብቲ መክፈቲ እቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ሚኒስተር ዴኤታ ሚኒስተር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣይተ ፋንታ ደጀን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ከተማታት ትግራይን ህዝበንን ክሓውዩ እቲ ሚኒስተር ደገፍ ከምዝገብር ገሊፆም ።

መተሓባበሪት ክላስተር መሰረተ ልምዓት ወይዘሮ ያለም ፀጋይ ብወገነን፣ ከተማታት ልዕሊ ዓቐነን ተመዛበልቲ ተሸኪመን ግልጋሎት ቤት መዘጋጃ ኣብዘይህባሉ ብርኪ ይርከባ ድሕሪ ምባለን እቲ ስልጠና ብዘለና ዓቅምን ሓይሊ ሰብን ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ሰራሕ ንምእታው ዝሕግዝ እዩ ኢለን።

ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ወይዘሮ ኣልማዝ ገ/ፃዲቅ ድማ እዚ ስልጠና ከም መነቃቅሒ ብምውሳድ ብቱኩረት ናብ ስራሕ ንምእታውን ህዝቢ ንምግልጋልን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *