ስልጠና ስነ ልቦናዊ ሕውየት !
ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሚድያ ትግራይ ዝመፁ ሰብ ሞያ ጋዜጠኛታት ናይ ሳይበር ፓወር ትግራይ ሚድያ ዋና አማሓዳሪ ሓዊሱ ስልጠና ስነ ልቦናዊ ሕውየት ይወሃቦም ኣሎ ።
ብምትሕብባር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራት፣ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይን ባና ፕሮሞሽንን ተዋዲዱ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ብኽልተ ዙር ኣብ ከተማ ዓዲግራት 100 ጋዜጠኛታት እናተሳተፉ እዮም።
ኣብቲ ስልጠና ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ከም ዝበልዎ ሰብ ሞያ ሚድያ ትግራይ ኣብ እዋን መኸተ ከምቲ ካሊእ ትግራዋይ ከበድቲ ፀገማትን ሕልኽላኻትን ዝሓለፉ ኮይኖም ከም ሳዕቤኑ ድማ ስነ ልቦነኦም ከም ዝተጎድአ ኣረዲኦም።
ዓድን ህዝብን ብኣተሓሳስባ ዝቐርፅ ጋዜጠኛ ንባዕሉ ፈለማ ስነ ልቦናዊ ሕውየት ክረክብ ኣለዎ ዝበሉ ኣይተ ረዳኢ ነዚ ብዝግባእ ተረዲኦም ዘተሓባበሩ ኣካላት ድማ የመስግን ኢሎም።
ተወካሊ ካቶሎካዊት ቤተክርስትያን ሃገረስብከት ዓዲግራት ኣባ ኣብርሃ ሓጎስ ከም ዝበልዎ ድማ ሚድያትት ትግራይ ኣብ ምሕዋይ ቁጠባን ስነልቦናን ተጋሩ ዝለዓለ ግደ ስለ ዘለወን ሰልጠንቲ ድሕሪ እቲ ስልጠና ካብቲ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ስነልቦናዊ ፀገም ንምውፃእ ናይ ካልኦት ዓዲታት ተሞክሮ እናካተቱ ብቐፃልነት ስራሕቶም ከሳልጡ ኣተሓሳሲቦም ።
