Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ ክጅምር ድዩ?

ኣብ ኢትዮጲያ ግልጋሎት ቴሌኮም ናይ ምሃብ ፍቓድ ረኪቡ ናብ ተግባር ዝተሰጋገረ ዓለምለኸ ኩባንያ ቴሌኮም ሳፋሪኮም ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ዝርግሐ ኔትዎርክን መሰረተ ልምዓትን ንምስላጥ ኣብ ዘኽእሎ ኩነታት ኣድሂቡ ምስ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ምስ ላዕለዎት ኣመረራሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝዘተየ ሳፋሪኮም ኢትዮጲያ ዕላዊ ገይሩ ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ካምፓኒ ዊም ቫንሄለፑትን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ሳፋሪኮም ኢትዮጲያ ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም ምስ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ዝርግሐ ኔትዎርክን መሰረተ ልምዓትን ኣመልኪቶም ዕውት ዝኾነ ልዝብ ከምዘካየዱን ብተመሳሳሊ ምስ ሓላፊት ካቢኔ ጉዳያት መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ያለም ፀጋይ እውን ዘተ ከም ዘሳለጡን ኣረጋጊፁ ኣሎ ።

ሳፋሪኮም ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ዝርግሐ ኔትዎርክን መሰረተ ልምዓትን ንምጅማር ዘኽእሎ ዘተ ምስላጡ እቲ ኩባንያ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝዘርገሖ ሓበሬታ የመላኽት ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *