Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሳይቨር ፖወር ትግራይ ሚድያ ኣብ መሬት ዘሎ ህልው ከነታት ትግራይ ንምዕዛብ ሰፊሕ ዑደት ኣካይዱ

ሳይቨር ፖወር ትግራይ ሚድያ ኣብ መሬት ዘሎ ህልው ከነታት ትግራይ ንምዕዛብ ናብ ቴምቤን ፡ ወርዒ ፡ ዓድዋ፡ ኣክሱም ፡ ሽረ ፡ ነበለት ፡ ሓውዜን ፡ ኣብርሃ ወኣፅባሃ ፡ ውቅሮን እንደርታን ሓዊሱ ኣብ ከተማን ገጠርን ኣብዚ ሰሙን ስፍሕ ዝበለ ጉዕዞ ገይሩ ነይሩ።

ከተማታት ትግራይ መጠናዊ ዝኮነ ተስፋ ዝህቢ ምንቕስቃስ ዝጀመራ ይመስላ። ኣብ ዑደት ዝገበርናሉ ዝርከብ ሓረስታይ ትግራይ መስካሕክሒ ኲናት ኣሕሊፉ ፅቡቅ ተስፋ ኣብ ዝህብ ሃይሃይታ ስራሕቲ ክራማት መከንበቲ ይርከብ። ኣብ መብዛሕቱ ዝተዘዋወርናዮ ከባብታት ትግራይ ዝራእቲ ፅቡቅ ኣሎ። ዋሏ ብሕማምን ብሓለንጊ ጥሜት እናተገረፈ ፡ ድሃይ ውልዱ ንምርካብ እናተረበፀ ይሃሉ በቲ ዝራእቲ ክራማት ኣብ ናይ ፅባሕ ብሩህ ተስፋ ይርከብ።

ካብ ዘዛራረብናዮም ሓረስቶት በቲ ዘሎ ክራማት ሕጉሳትን ናይ ፅባሕ ሰብ ብሩህ ተስፋ ምኳኖም እዮም ገሊፆም። እንተኮነ ጥሜትን ዓፅባን ፈሲሱ፡ ደሃይ ደቆም ዝሰኣኑ ውለዲ ዘለዎም ጭንቀት ፅዋ የብሉን። ዓፅሚ ሰብ እዩ ዝሰብር።

በሰላ ኲናት ዝፈጠሮ ቃንዛ መሪር ፣ እቲ ዘሎ ምሕደራ ኣዚዩ ዝሓመቀን ዝተንዓቀን ግን ዝፍራሕ ምኳኑ ፣ ህዝቢ ንመማሓደርቲ ካብ ልቡ ከም ዘርሓቆምን ዝፈንፈኖምን ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋን ኲናት ብዓይኑ ብዝረአዮ ጉሕለትን ስርቅን ምህላውን በዚ ናይ ጉሕለት ጭቃ ዝተላክዩን ዝተንዓቁን ኣመሓደርቲ ሓቃዊ ምትእምማን ከምዘይህሉ፣ ብዝተንዓቁ ኣመሓደርቲ ይኩን ብናይ ልምዓት ጉጅለ ዝግበር ፕሮፕጋንዳ ልባዊ ዕርቅን ምትእምማን ንምፍጣር ዘበት ምኳኑ እዮም ዝገልፁ።

ሳይቨር ፖወር ትግራይ ሚድያ ዝተዓዝብናዮም ከተማታት ማሕበራዊ ግልጋሎት ኣዚዩ መሰከፊ ምኳኑ እዩ። ስልክን መብራህትን ብሰዓታት ፍልልይ ምቁርራፁ ልሙድ እዩ። ሓይሊ መብራህቲ ምቁርራፁ ከይኣክል ኣብ ዝመፀሉ እዋን እንተኮነ ሓይሊ የብሉን። ዝረብሕ ነገር ከስርሕ ኣፀጋሚ እዩ።

ግልጋሎት ሕክምና ከዓ ብጣዕሚ ትሑት እዩ። ቅድሚ ኩናት ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ዝነበረ ሕክምና ትግራይ ሐዚ ብናውቲ ሕክምና፡ ሓይሊ ሰብ፡ ብኣዋሃብ ግልጋሎት ዘለዎ ብርኪ ኣብ ብዘሕምም መልክዑ ውዲቁ ይርከብ።

ኣብ ማእከላይ ዞባ ሆስፒታል ኣክሱም ዝተዓዘብናዮ ከም ኣብነት ምውሳድ ይካኣል። ሓንቲ ኣዶ ህፃን ውልዳ ከተሕክም ናብቲ ሆስፒታትል ትከይድ። እታ ህፃን ኣብ ከቢድ ዘይተፈለጠ ስቃይ ዘለዎ ሕማም ኮይና እያ። ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሓካይም ብዝተሳላቸወ መንፈስ እዮም ዘተኣናግዱ። እታ ህፃን ንመጀመርያ ሓደ ዶክተር ይሪኣ እሞ እቲ ሕማም ዓንቀር ከምዘይኮነን ካልእ ተወሳኪ ናይ ፍታን ምርመራ ክትገብር ኣዚዙ ይከይድ። ዳሓር ተኪኡ ዝመፀ ሓኪም ድማ ነታ ህፃን ብዝተሰላቸው መንፈስ ብምርኣይ ዓንቀር ከምዝወረዳ ነዚ ድማ መድሓኒት ይእዝዝ። ናይታ ህፃን ኣዶ በቶም ዝተሳላቸው ሓካይም ዝጋጮ ውፂኢት ትሽገር እሞ ናብ ውልቀ ክልኒክ ከይዳ እታ ህፃን ሕማማ ካልእ ኮይኑ ይርከብ።

ሳይቨር ፖወር ትግራይ ሚድያ ነዚ ታሪክ ምስ ሰምዐ ኣብቲ ሆስፒታል ዘለው ሓካይም በዚ ብርኪ ዘሳላቸዎም ምክንያት ሓቲቱ ክንርዳእ ይፍትን።

ዝረከቦ ሓበሬታ፡ ሓካይም ትግራይ ኣብቲ መስካሕክሒ ኲናት ብዘይ ዕረፍቲ ብዝገርም ወነ፡ ጥበብን ጅግንነትን ሞያዊ ግልጋሎት ዝሃቡን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ዝከፈሉ ምኳኖም እዩ ። ኣብ እዋን ኲናት ዘርኣይዎ ትግሃትን ጅግንነትን ኣብ ሰላም ግዘ ንህዝቦም ንምግልጋል ክስልቹው ዝገበሮም ምክንያታት ብዙሓት እኳ እንተኮነ ከም ቀንዲ ዝለዓል ግን እታ ናይ ራሃፆም ዘይትነፍዕ ደመወዝ ምስኣኖም እዮ። ናይ ሎሚ ደመዎዝ ኣስኳይ ተሳኢኑ ምሉእ እንተተዋሃበ እውን ናይ ምግዛእ ዓቅሙ ትሑት እዩ። ኣብ ከርፋሕ ሕሱም ናብራ ዘለው ሓካይም ናብራ ከስልችዎም ባህሪያዊ እዩ።
ደመወዘ ፅባሕ ሎሚ መፀት እናበለ ምስ ስድሩኡ ፀሙ ዝሓድር ሓኪም ከመይ ገይሩ ብቀልቢ ከግልግል?

ሓካይም መዓዝ ጥራሕ ኮይኖም ንሮ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ተመሳሳሊ እዩ። ሰራሕተኛ መንድስቲ ከም ኣብነት ተልዓለ እምበር ናይ ህዝቢ ትግራይ ንሮ ኣዚዩ ከቢድ እዩ። ንብዙሕ ስድራ ዝዕንግል ዝነበረ ረዲኤት ምቁራፁ ብዙሕ ጉዳይ ኣናጊዑ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኣብ ሕሱም ናብራ እዩ ዝርከብ። ጠቅላላ ውድቀት ከም ህዝቢ እዩ ኣጋጢሙ!

ካልእ ኣብቲ ጉዕዞ ኣዚዩ ዘድንግፅ ጉዳይ ድማ ኣብ ማእከላይ ዞባ ወረዳ እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ሆስፒታል ዝረከብናዮ ሓበሬታ እዩ። ኣብዚ ሆስፒታል ቅድሚ ኩናት 12 ዶኳትር ሓካይም ነይሮም። ድሕሪ ኲናት ካብዞም 12 ዶኳትር 10 ተሰዲዶም፡ ሐዚ ክልተ ጥራሕ ግልጋሎት እናሃቡ ይርከቡ። ብሻዕቢያ ዝተሰረቁ ዘመናዊ መሳርሒ ሕክምና መዓዝ ብከመይ ይትኩኡ ዝብል ዘድንፁ ሕቶ ብምግዳፍ ኣብ ሓንቲ ወረዳ ካብ 12 ዲኳትር 10 ምስዳድ ማለት ብትግራይ ብርኪ ክንደይ ዶኳትራት ከምዝተሰደዱን መዓዝ ናብቲ ዝነበረ ብርኪ ከም ዝምለሰን ምሕሳብ እሞ ድማ በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ብቁዕ መሪሕነት ስእነት እንትረአ ኣዚዩ መሰንበዲ እዩ።

ኣብ ምብራቅን ድቡቡን ትግራይ ሰፊሕ ድርቂ ምህላው ክንፈልጥ ኪኢልና ኢና።

ሳይቨር ፓወር ሚድያ ትግራይ እንተጠቃልል ፡ ኣብተን ዑደት ዝገርናለን ከባብታት ሓረስታይ ዋላ ኣብ ሕሱም ናብራ ይኩን እምበር ኣብ ህርኩት ስራሕ ከራማት ከምዘሎ ተዓዝብና። ሓረስታይ ሓጋዝን መራሕን ሲኢኑ እምበር ኣብ ሰራሕ እዩ ዘሎ። ገባር ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሐሸ ኣብ ፅቡቅ ተስፋ ይርከብ። እሞ ገዛኢ ውድብ ፣ ተነሓናሕቲ ውድባት ፣ግዚያዊ ምሕደራ ትግራይ ፣ ሙሁራት ፣ ድያስፖራ ትግራይ ፣ ኣመራርሓ ተጋደልቲን ሓልታት ምክልካል ትግራይን ብሓፈሻ ድማ ትግራይ ናይ ምምራሕን ምስጋርን መንግስታዊ ይኩን ሞራላዊ ሓላፍነት ዘለኩም ተጋሩ ነቲ ፃዕራም ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ሓረስታይ ሸክሚ ዘይኮነሰ ተስፋን ደጀንን ኮይንኩም ክትሰርሑ ፣ ትግራይ ዘሳግር ሓዱሽ ባይታ ክትፈጥሩ ይግበአኩም ብምባል ነዚ ዑዶት ዝገበርኩም ኣባላት ሳይቨር ፖወር ትግራይ ሚድያ ምስገና ይብፃሕኩም!

ሳይቨር ፖወር ትግራይ ሚድያ!
8 መስከረም 2016
ሰላም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *