Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሳልሳይ ዙር ዕጥቂ ምፍታሕን ምፍካብን ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ተካይዱ፡፡

ትግራይ ሳልሳይ ዙር ካብ ከበድቲ ክሳብ ናይ ጉጅለ ዕጥቂ ምፍታሕን ምርካብን ኣካይዱ፡፡ መንግስቲ ኤትዮጵያ ካብ ከበድቲ ክሳብ ናይ ጉጅለ ዕጥቂ መሳርሕታትን ተተኮስን ካብ ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ተረኪቡ፡፡ እንተኮነ ዕጡቃት ሓይልታት ኣብምሓራን ሰራዊት ሸዓብያን ካብ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ  ዛጊድ ኣይወጹን፡፡ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣታዊ ሓደነት ትግራይ ንምውሓስ ዛጊድ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ፃዕሪ  ብወግዒ ዝተገለፅ የለን፡፡

ብህወሓት ወገን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብእርይ ቁፅሪ ዋላ እንተተግብረት ዛጊድ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ኣይወጹን፣ ሕገ መንግስታዊ ግዛኣት መሬት ትግራይ ኣይተመለሰን ፣ ብኣማእኢት ኣሻሓት ዝቁጸረ ዝተፈናቀለ ትግራዋይ ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን ፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ቆላሕታ ሲኢኑ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጥሜትን ዓጸቦን ይርከብ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *