Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሱዳን፡ ዘተ ሰላም እናተኻየደ ከተማታት ብነፈርቲ ይድብደባ

ኣብ ስዑድ ዓረብ ዘተ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ዝካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም፡ ኣልባሕርን ኡምዱርማንን ደብዳባት የካይዳ ከም ዘለዋ ይስማዕ ኣሎ።

ብመሬት ድማ፡ ኣብ ክልተ ከባቢታት ባሕር-ሻምባትን ሓለፍያን፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ውግእ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ኣብ ሻምባት ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሓለፍያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይሊ ወሃቢ ደገፍ ንዝርከብ ሓደ ወሳኒ ድልድል ንምቍጽጻር ዝዓለመ ይመስል።

እዚ ውግእ ሰባት ኣብ ራዕዲ ሸሚሙ ኣብ ገዛኦም ክሕብኡ ኣገዲድዎም ኣሎ።

ቢቢሲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *