ሱዳን፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ን24 ሰዓታት ተዂሲ ደው ከብሉ ከምዝተሰማምዑ ፀብፃባት ይወፅእ ኣሎ
መራሒ ሰራዊት ሱዳን ዝኮነ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ንሲ-ኤን-ኤን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰዓት 6፡00 ምሸት ብኣቆጻጽራ ካርቱም ዝጅምር ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ ምዃኖም ገሊፁ ነይሩ።
ኮይኑ ግና ክፋል ናይቲ ምስ ሓይልታት ጀነራል ሕሜቲ ኣብ ወግእ ተዋፊሩ ዘሎ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምግባር ከምዘይተሰማምዐ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣቕድም ኣቢሉ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሓይልታት ወሃቢ ህጹፍ ደገፍ፡ ንገያሾ ወጻእተኛታትን ንሰብኣዊ ሓገዝ መተሓላለፊ ውሑስ መስመራት ንምኽፋት ምእንቲ ኽከኣል ን24 ሰዓታት ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ ነይሩ።
ጀነራል ሕሜቲ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን “ካልኦት ፈተውቲ ሃገራትን” ድሕሪ ምዝርራብ ኣብቲ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ገሊጹ።
“ንሰላማውያን ሰባት ውሑስ መሕለፊ ንምኽፋትን ንዝተጐድኡ ንምውጻእን፡ እቲ ሓይሊ ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ፍቓድ ሂቡ’ሎ” ይብል ሕሜቲ።
ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብኽልቲኦም ሓይልታት ኣይተኸበረን።
ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብዘይምኽባሩ ንሰራዊት ሱዳን ብምውቃስ፡ “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ቦምባ ብምድርባይ ህይወት ሲቪላት ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ” ክብሉ ከሲሶም።
